ኤርትራ፣ ኣብ ከባቢታት ሽዕብ፣ ወቒሮ፣ ኣስማጥ መሂመትን ከርከበትን ኣንበጣ ተራእዩ

Radio Erena: 21 October 2020

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ኤርትራ ዕስለ ኣንበጣ ከምዝተራእየ ተሓቢሩ።

ብወገን ኢትዮጵያ ዝሰገረ ዕስለ ኣንበጣ፣ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ዞባ ደቡብ ከምዝተራእየ ክጥቀስ ጸኒሑ’ዩ።

ውድብ መግብን ሕርሻን፣ ኣብ ዘውጽኦ እዋናዊ ጸብጻብ ድማ፣ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ፣ ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ሽዕብ፣ ኣስማጥን መሂመትን ከርከበትን፣ ኩብኩብታን ኣንበጣን ከምዝተራእየ ኣረጋጊጹ።

ናይ ምቁጽጻር መስርሕ ጽቡቕ ይኸይድ እኳ እንተሎ፣ ብፍላይ ኩብኩብታ፣ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ናብ ምጥቃዕ ክሰጋገር ስለዝክእል ተወሳኺ ምክትታል ከምዘድሊ እቲ ውድብ ኣዘኻኺሩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ዕስለ ኣንበጣ፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ሶማል፣ ኬንያ፣ የመንን ስዑዲ ዓረብን’ዩ ብብዝሒ ዝረአ ዘሎ።

ይኹን’ምበር መነባብሮን ቁጠባን ህዝብታት የመንን ስዑዲ ዓረብን፣ ኣብ ሕርሻ ዝተመርኮሰ ብዘይምዃኑ፣ ከቢድ ሳዕቤን ኣየኸተለን።

ዝበዝሐ ካብ ህዝበን ብሕርሻ ኣብ ዝናበር ከም ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝኣመሰላ ሃገራት ግና ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ዘራቲን ጉድኣት የብጽሕ ብምህላዉ፣ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።

ብፍላይ ኢትዮጵያ፣ እታ ብዝያዳ ብወራር ዕስለ ኣንበጣ እትህሰ ዘላ ሃገር’ያ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0