ኤርትራ፣ ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ 2020 ዝወዳደሩ ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ዝተመርጽሉ ኣገባብ ዘይፍትሓዊ ምዃኑ ተገሊጹ

Radio Erena: 20 July 2021

mekኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ 2020 ዝወዳደሩ ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ንምምርጽ ዝተኸተለ መስርሕ ፍታሓዊ ከምዘይኮነ ተገሊጹ።

ኣብ ናይ ደቂተባዕትዮ፣ መርሃዊ ቅዱስን ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄርን ንኤርትራ ወኪሎም፣ ብ17 ሓምለ ናብ ጃፓን ከምዘቅንዑ ብወገን ኤርትራ ምስ ዝተሓበረ፣ ኣብ ኦሎምፒክ 2020 ንኽወዳደር ውሑስ ቦታ ተሓዚእሉ ዝነበረ፣ መኽሰብ ደበሳይ ካብታ ጋንታ ዝተረፈሉ ምኽንያት ኣብ መንጎ ደገፍትን ኣፍቀርን እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ 2019 ኣብ ባህርዳር ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጽርግያ፡ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ብምዃን ዘውዲ ዝደፍአ፡ ተቐዳዳማይ ጀርመናዊት ኮንቲነንታል ቲም መኽሰብ ደበሳይ፡ በቲ ኣብ’ቲ ውድድር ዝተጐናጸፎ ዓወት፡ ተሳትፎኡ ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ 2020 ከም ዘረጋገጸ ዝዝከር እዩ።

እዚ ወዲ 30 ዓመት ገዲም ተቐዳዳማይ፡ በቲ ኣብ ባህርዳር ብሓባር ምስ ሓፍቱ ሞሳና ደበሳይ፡ ዝቖረጾ ቀጥታዊ ትኬት፡ ንኤርትራ ወኪሉ ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ከም ዝሳተፍ እዩ ፈሊጡ ጸኒሑ።

ካብ’ቲ ሽዑ እዋን ኣትሒዙ ክሳብ እዚ ዝሓለፈ ቀረባ እዋናት፡ ብመንግስታውያን ማዕከናት ዜና ኤርትራ ክግለጽ ከም ዝጸንሐ ከኣ፡ ብርግጽ መኽሰብ ተሳታፊ ኦሎምፒክ ቶክዮ እዩ ኔሩ።

ውድድር ኦሎምፒክ ቶክዮ 2020 ብምኽንያት ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ብሓደ ዓመት ኣብ ዝተናወሐሉ፡ ኣዳላዊት ኮሚቴ’ውን፡ ብምሉኦም እቶም ኣብ’ቲ ግዜ ናብ ኦሎምፒክ ቶክዮ 2020 ምሕላፎም ዘረጋገጹ ስፖርታውያን፡ ቦትኦም ኣብ’ቲ ኣብ 2021 ዝካየድ ውድድር ኦሎምፒክ ዝተዋሕሰ ምዃኑ ሓቢራ ኔራ እያ።

መኽሰብ’ውን ብተደጋጋሚ ኣብ ቃለ መጠይቓቱ ክገልጾ ከም ዝጸንሐ፡ ነዚ ውድድር ብሃንቐውታ እናተጸበየ ኣድላዪ ምድላዋት እዩ ክገብር ጸኒሑ።

እንተኾነ ግን፡ መኽሰብ ደበሳይ ምስ’ታ ንኤርትራ ወኪላ ናብ ቶክዮ ዘምርሐት ጋንታ ኣይገሸን።

እዚ ድማ፡ ንብዙሓት ኣፍቐርቲ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣብ ርእሲ ምስድማሙ፡ ብምንታይ ምኽንያት ከም ዝተረፈ ስንክሳር ኮይንዎም ከምዝርከብ ይገልጹ።

ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሳምሶም ሰለሙን፡ ብቀዳም ምስ ተለቪዥን ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ ንኤርትራ ብዩሲኣይ 2 ደቒ ተባዕትዮን 1 ጓል ኣንስተይቲን ከተሳትፍ ኮታ ከም እተዋህባ ሓቢሩ።

ብኡኡ መሰረት ድማ፡ ኣገባቡ ዝሓለወ ምርጫ ከም እተኻየደን፡ ኣብ ደገ ዝወዳደሩ ተቐዳደምቲ ውጽኢቶምን ብቕዓቶምን ተራእዩ፡ ፈደረሽን ናቱ ነጥብታት ብምሓዝ፡ ንብቕዓት ዝምልከት ኣገባባት ብኣሰልጣኒ ብፕሮፌሽናላዊን ብዝለዓለን መልክዕ ካብ ነዊሕ ግዜ ተሰሪሕሉን መርሃዊን ኣማኑኤልን ድማ ከም እተመርጹ እቲ ኣሰልጣኒ ኣረዲኡ።

ይኹን’ምበር፣ እዚ መስርሕ እዚ፣ ብመሰረት እቲ ኣብ ባህርዳር ዝተረኽበ ውጽኢት ሻምፕዮን ኣፍሪቃ፡ መኽሰብ ተሳትፎኡ ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ስለ ዘረጋገጸ፡ ኣብ ምልክት ሕቶ ክኣቱ ከምዘይግባእ ተንተንቲ እዚ ዓውዲ ስፖርት ኣገንዚቦም።

እቲ ምርጫ ከም’ቲ ብኣሰልጣኒ ሳምሶን ዝተባህለ፡ ውጽኢት ተቐዳደምቲ ምርኩስ ብምግባር ዝተኻየደ እንተኾይኑ ድማ፡ ኣብ ቦታ ኣማኑኤል፡ ቢንያም ግርማይ እዩ ክኸይድ ዝግብኦ ክብሉ ይምጉቱ።

ናይ’ዚ ዝሓለፈ 2 ዓመታት ውጽኢት ክልቲኦም ተቐዳደምቲ እንተድኣ ተገምጊሙ፣ ኣብ 2020፣- ኣማኑኤል 55፡ ቢንያም ድማ፡ 358 ናይ ዩሲኣይ ነጥቢ ኣኻዕቢቶም። ኣብ 2021 ድማ ኣማኑኤል ዛጊት 70 ነጥቢ፡ ቢንያም ከኣ፡ 145 ነጥቢ ኣዋህሊሎም ኣለዉ።

ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን፡ ብደረጃ ዓለም ኣብ ናይ ዩሲኣይ ደረጃ፡ ኣማኑኤል ኣብ መበል 574 ደረጃ ክስራዕ እንከሎ ቢንያም ድማ፡ መበል 166 ተርታ ተሰሪዑ ኣሎ።

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 2 ዓመታት ኣማኑኤል ልዕሊ ቢንያም ዝተዓጻጸፈ ርሕቐት ተጓዒዙ ክኸውን ከምዝኽእል ዘዘኻኸሩ እቶም ተንተንቲ፣ ናይ ኦሎምፒክ ውድድር ናይ ሓደ መዓልቲ ክላሲካል ውድድር ጥራይ ብምዃኑን፡ ኣብ ውድድር ክላሲክ ከኣ፡ ብዝበለጸ ቢንያም ግርማይ ስለ ዘድምዕን፡ ብዓይኒ ውጽኢት እንተተራእዩ፣ ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ክሳተፍ ዝግብኦ ቢንያም፡ ብዓይኒ ፍትሒ እንተተራእዩ ከኣ፡ መኽሰብ እዩ ክብሉ ደምዲሞም።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0