ጃፓን፣ ኦሎምፒክ ቅድሚ ምጅማሩ፣ ኣብታ ሃገር ክተርፍ ዝወሰነ ኡጋንዳዊ ኣትለት ብፖሊስ ተታሒዙ

Radio Erena: 21 July 2021

ኣብ ጃፓን፣ ከተማ ቶክዮ ኣብ ዝካየድ ኦሎምፒክ 2020 ንምስታፍ፣ ናብታ ሃገር ካብ ዝተጓዕዙ ኡጋንዳውያን ኣትለታት ሓደ፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ድሕሪ ምስዋሩ፣ ትማሊ 20 ሓምለ ብፖሊስ ተታሒዙ።

እቲ ጁልየስ ስኩተለኮ ዝተባህለ፣ ኣብ ምልዓል ክብደት ክወዳደር ናብ ጃፓን ዘቕንዐ ኡጋንዳዊ ኣትለት፣ ኣብ ዓዱ ስራሕ ክረክብ ስለዘይክእል፣ ኣብ ጃፓን ስራሕ ንምንዳይ ክተርፍ ከምዝወሰነ ዝገልጽ ደብዳቤ ኣብቲ ዓሪፍሉ ዝነበረ ሆቴል ብምሕዳግ’ዩ ተሰዊሩ።

ካብታ ዓሪፉላ ዝነበረ ከተማ፣ ናይ ባቡር ትኬት ብምግዛእ ናብ ካልእ ዞባ እታ ሃገር ተጓዒዙ፣ ደሃይ ስለዘጥፍአ ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ብፖሊስ ክድለ ጸኒሑ።

እቲ ኣትለት፣ ሕግታት ምግታእ ኮረና ቫይረስ እታ ሃገር ብምጥሓስ፣ ካብ ዝተፈቕደሉ ከባቢታት ወጻኢ ስለዝተንቀሳቐስ’ውን፣ ካልእ ክሲ ተመስሪትሉ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቀይዲ ዝርከብ እቲ ወዲ 20 ዓመት ዝኾነ ኣትለት፣ ውድድራት ኦለምፒክ፣ ዓርቢ 23 ሓምለ ቅድሚ ምጅማሩ፣ ምስ ኣሰልጣኒኡን ናብ ዓዶም ክስጎጉ ከምዝኽእሉ ተገሊጹ።

እዚ ኡጋንዳዊ ኣትለት፣ ኣብ ጃፓን ንምትርፋ እንተወሲኑ፣ ብውሕዱ ኦሎምፒክ ክሳብ ዝኽፈትን ውድድራቱ ክሳብ ዘሳልጥ፣ ክጸንሕ ኔርዎ ክብላ ሓያሎ ማዕከናት ዜና መዛረቢ ኣርእስቲ ጌረንኦ ኣለዋ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0