ኤርትራ፣ ኣብ ትሕቲ ሃይማኖታን ብሕታውን ትካላት ክመሓደራ ዝጸንሓ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ተሃጊረን

Radio Erena: 04 September 2019

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ትሕቲ ሃይማኖታውን ብሕታውን ትካላት ክመሓደራ ዝጸንሓ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝተሃገራ ምንጭታት ኤረና ሓቢሮም።

ብመሰረት ነተን ትካላት ዝተዋህበ መምርሒ፣ መንግስቲ ኣቐዲሙ ብዘውጽኦ ኣዋጅ መሰረት፣ እቲ ኣብያተ ትምህርቲ ናብ መንግስቲ ተሰጋጊረን ኣለዋ ዝብል’ዩ።

እተን ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝተሃገራ ንኣመሓደርተን ዝተሓበረ፣ ናይ ዓመተ 2019-2020 ስሩዕ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ንምጅማር ምቅርራባት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ ግዜ’ዩ።

በዚ ናይ ምህጋር መስርሕ ተጸልየን ዘለዋ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ኣብ ኣስመራ ብቋንቋ ዓረብ እትምህር ጃልያን እንዳ ማርያንምን ክርከብአን እንከለዋ፣ ኣብ ከረን፣ ባረንቱ፣ ደቀምሓረን ካልእ ከተማታት ዝነበራ ኣብያተ ትምህርቲ’ውን ተመሳሳሊ ዕጫ’ዩ በጺሑወን ኣሎ።

እቲ መንግስቲ ኣቐዲሙ፣ ኣብ ልዕሊ ናይ መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ኣይርሳዕን።

ምስዚ ተተሓሒዙ፣ ተማሃሮ ዲያእ ኣል እስላምያ ናይ ኣኽርያድሕሪ ዘካየድዎ ተቓውሞ፣ ሞት ክልተ ኣቦታትን ሓደ መንእሰይን ዘስዓበ፣ ጃምላዊ ማእሰርቲ ተማሃሮ፣ ወለዲን መማህራንን ከምዝተኻየደ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝእለያ ዝነበራ ኩለን ማእከላት ሕክምና፣ ኣቐዲሙ ከምዝሃገረን ይዝከር።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0