ኤርትራ፣ ኣብ ቅንያት መዓልቲ ናጽነት 100 ኣመንቲ  ክርስትና ከምዝተኣስሩ ተገሊጹ

ኤርትራ፣ ኣብ ቅንያት መዓልቲ ናጽነት 100 ኣመንቲ ክርስትና ከምዝተኣስሩ ተገሊጹ

Radio Erena: 01 June 2017

Asmara

ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ቅንያት ጽምብል መበል 26 ናጽነት፣ ኣስታት ሓደ ሚእቲ ኣመንቲ ጴንጠቆስጣል ክርስትና ከምዝኣሰሩ ዝተፈላለያ ሃይማኖታውያን ማሕበራት ካብ ኤርትራ ንዝርከቡ ምንጭታተን ብምጥቃስ ሓቢረን።

ብመሰረት እተን ማሕበራት ኣብ ዘቕርብኦ ዘለዋ ሓበሬታ፣ እቲ መንግስቲ ኣብ 9 ግንቦት ኣብ ጊንዳዕ ፣ ኣብ ጸሎት ዝነበሩ ኣስታት 10 ኣመንቲ ክርስትና ክኣሰር እንከሎ፣ ኣብ 17 ግንቦት ከኣ ብተመሳሳሊ ኣብ ዓዲ ዃላ 35 ካልኦት ከምዘስዓበ ኣፍሊጠን።

መበል 26 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዝጽንበለሉ ዝነበረ ዕለት 24 ግንቦት ከኣ፣ ኣብ ከባቢ ኣስመራ፣ ቃል ኪዳን ኣብ ዝእሰረሉ ስነ ስርኣት መርዓ ዝተዓደሙ ብውሕዱ 49 ኣመንቲ ክርስትና ብእኩብ ከምዝተኣስሩ ዎርልድ ዎች ሞኒተር ዝተባህለ ትካል ገሊጹ።

መርዓውን መርዓትን’ውን ካብቲ ማእሰርቲ ክድሕኑ ከምዘይክኣሉ ዝጠቐሰ እቲ ትካል፣ እቶም ኣመንቲ ክርስትና ዝተኣስርሉ ቦታ ኣይሓበረን።

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ መንበሪ ቤት ብሓባር ክጽልዩ ዝጸንሑ ኣመንቲ ክርስትና ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ክእሰሩ ልሙድ ተርእዮ’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዘይካ እተን ሕጋውያን ዝበለን ኦሮቶዶክስ ተዋህዶ፣ ካቶሊክን ወንጌላዊት ሉተራዊትን ሰለስተ ኣብያተ ክርስትያናት፣ ካልእ ዓይነት እምነታት ካብ 2002 ኣትሒዙ ብወግዒ ከምዝኣገዶ ዝፍለጥ’ዩ።

ካብቲ እዋን’ቲ ኣትሒዙ ድማ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ኣቦታትን ዝርከቦውም ኣሽሓት ኣመንቲ ዝተፈላለያ እምነታት ብዘይፍርድን ሕጋዊ መስርሕን ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣሲርዎም ከምዘሎ ይፍለጥ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0