ባይቶ ጸጥታ ንዕማም ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል ኣናዊሑ

ባይቶ ጸጥታ ንዕማም ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል ኣናዊሑ

Radio Erena: 01 June 2017

AMISOM

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንዕማም ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል (AMISOM) ንተወሳኺ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣናዊሑ።

እቲ ባይቶ ብ26 ግንቦት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ነቲ ትማሊ ሮቡዕ፣ 31 ግንቦት ዘብቕዐ ዕማም ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል ክሳብ 31 ነሓሰ ብምንዋሕ፣ ኣብ ሶማል ካልእ ኣማራጺታት እንተሎ፣ ኣብ ዝሓጸረ እዋን እማመታት ክቐርብ ተላብዩ።

ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ኣኣቐዲሞም፣ ብ24 ግንቦት ኣብ ከተማ ሞቛድሾ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፣ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል ዘብቕዓሉን ብሃገራዊ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ዝትክኣሉን መደባትንብዝምልከት ዘትዮም’ዮም።

ካብ ኡጋንዳ፣ ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ጅቡትን ካልኦት ሃገራትን ዝተዋጽአ ልዕሊ 22 ሽሕ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ 2007 ኣትሒዙ ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ይኹን’ምበር ኣብዚ 10 ዓመቱ ጸጥትን ሰላምን እታ ሃገር ከውሕስ ኣይከኣለን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0