ኤርትራ፣ ኣብ ሓያሎ ከተማታት፣ ንኢትዮጵያውያን እንተዘይኮይኑ፣ ንኤርትራውያን ኣብ ናይ ጎደና ሸቐጥ ከይዋፈሩ ዝኽልክል መጠንቀቕታ ይመሓላለፍ

ኤርትራ፣ ኣብ ሓያሎ ከተማታት፣ ንኢትዮጵያውያን እንተዘይኮይኑ፣ ንኤርትራውያን ኣብ ናይ ጎደና ሸቐጥ ከይዋፈሩ ዝኽልክል መጠንቀቕታ ይመሓላለፍ

ኣብ ከተማታት ተሰነይ፣ ባረንቱ፣ መንደፈራ፣ ዓዲዃላን ካልእ ከተማታት ኤርትራን፣ ኣብ ጎደናታት ዝካየድ ሸቐጥ ንኢትዮጵያን እንተዘይኮይኑ ንኤርትራውያን ክልኩል ምዃኑ፣ መጠንቀቕታ ይመሓላለፍ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እዚ ኣብ ከተማ ኣስመራ ጥራይ ጸኑዑ ዝጸንሐ፣ ንኤርትራውያን ኣብ ናይ ጎደና ሸቐጥ ዝኽልክል መጠንቐቕታ፣ ካብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ኣትሒዙ፣ ናብ ኩለን ‘ተን ኢትዮጵያን ነጋዶ ዝሰግርወን ከተማታት ተዘርጊሑ ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣገንዝቢቦም።

እዚ መንግስቲ ወሲድዎ ዘሎ፣ ብግሁድ ንኢትዮጵያውያን እንተዘይኮይኑ ንኤርትራውያን ነጋዶ ዝእግድ ስጉምቲ፣ ኣብ ህዝቢ፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ዘሎ ሻቕሎትን ስክፍታን፣ ተወሳኺ ኣሉታዊ ስምዒታት ፈጢሩ ኣሎ።


ነዚ መጠንቐቕታት ዘመሓላልፋ ዘለዋ ክፍሊ ምምሕዳራት ከተማታት፣ ካብ ህዝቢ ንዝመጸን ዘሎ ሕቲታት፣ ካብ ላዕሊ ዝመጸ ትእዛዝ’ዩ ብምባል፣ ብዘይግሉጽን ዝርዝርን ሓበሬታ ይመልስኦም ከምዘለዋ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ብተወሳኺ ይጠቕስ።

ስእሊ፣- ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኤርትራ ዝልኣኽዎ

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0