ኤርትራ፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ደርቂን ዋሕዲ መኣዛዊ መግብታትን ኣንጸላልዩ ከምዘሎ ተገሊጹ

ኤርትራ፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ደርቂን ዋሕዲ መኣዛዊ መግብታትን ኣንጸላልዩ ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: 05 June 2018

Eri drought

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ኣንጸላልዩ ዘሎ ደርቂን ዋሕዲ መኣዛዊ መግብታትን፣ ብፍላይ ቆልዑን ኣዴታትን ግዳያት ይኾኑ ምህላዎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

እቲ ብዝያዳ ተጠቒዑ ዘሎ ከባቢታት ኣብ ሰሜናዊን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ ከምኡ ድማ ምዕራባዊ ሸነኽ መታሕት ምዃኑ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ መንግስቲ ካብ ለገስቲ ዝረኸቦ ከም ፋፋን ፕሮቲንን ዝኣመሰለ ናይ መግቢ ረዲኤት ብመንገዲ ወደብ ባጽዕ የእቱ ከምዘሎ ኣመልኪቶም።

ኣብዚ እዋን’ዚ ትስፉው ክራማት ከምዘሎ ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፣ ከም ናይ ዝሓለፈ እዋናት፣ ዝሓርስ ዓቕሚ ሰብ ስለዘየለ ግና፣ እኹል እቶት ከምዘይርከብ ኣረዲኦም።

ብምግፋፍ ዓሳ ናብርኦም ዝመርሑ ኣብ ገማግም ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከቡ ዜጋታት’ውን መንግስቲ ኣብ ባህላዊ ምግፋፍ ዓሳ ዘተግበሮ ሕግታት ደሪትዎም ስለዝርከብ፣ ንሳቶም’ውን ግዳያት ደርቅን ዋሕዲ መኣዛዊ መግብታትን ኮይኖም ምህላዎም ይፍለጥ።

ኣህጉራዊ ማዕከን ቆልዑ ኣቐዲሙ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ኣሽሓት ቆልዑን ኣዴታትን ብመኣዛዊ መግብታት ተጠቒዖም ከምዘለዉ ብምርግጋጽ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብምሽራኽ ንምርድኦም ዝገበሮ ጻዕርታት ብዝርዝር ኣቕሪብዎ ይርከብ።

ይኹን’ምበር ብዓይኒ ፖለቲካ ጥራይ ክርእዮ ዝመርጽ መንግስቲ ኤርትራ፣ ነዚ ንሓያሎ ዓድታት ጸልዩ ዘሎ ደርቅን ዋሕዲ መኣዛዊ መግብታትን ንህዝቢ ሓቀኛ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ወትሩ ምስ ተቖጠበ’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0