ፖሊስ እስራኤል፣ ብምኽንያት 24 ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ ባእስን ዕግርግርን ኤርትራውያን፣ ንኣምባሳደር ኤርትራን ወከልቲ ማሕበረሰብን ኣዘራሪቡ

ፖሊስ እስራኤል፣ ብምኽንያት 24 ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ ባእስን ዕግርግርን ኤርትራውያን፣ ንኣምባሳደር ኤርትራን ወከልቲ ማሕበረሰብን ኣዘራሪቡ

Radio Erena: 05 June 2018

Eri  in Isreal fighting

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ደገፍቲ መንግስቲን ተቓወምትን፣ 24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ንምጽንባል ኣብ ዝተኣከብሉ እዋን ብዘካየድዎ ኣምባጋሮ ሓደ ፖሊስ ዝርከቦም ሓያሎ ሰባት ቆሲሎም።

ድሕሪ’ቲ፣ ኣብ ደቡባዊ ከተማ ቴልኣቪቭ፣ ብኤርትራዉያን “እንዳ ባላጋን ወይ እንዳ ዕግርግር” ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ጎደና ናቪሽ ኣናን፣ ብሰንበት 3 ሰነ ዝተኻየደ ባእስን ኣምባጋሮን፣ 13 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ ወኪል ሬድዮ ኤረና ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ወከልቲ ሕብረተሰብ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቅባን ፡ ኣቦ ወምበር ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሕን ብዛዕባ’ቲ ዘጋጠመ ባእስን ኣምባጋሮን ብዝምልከት ምስ ፖሊስ ከተማ ተልኣቪቭ ትማሊ 4 ሰነ ርክብ ከምዘካየዱ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብ እስራኤል ብተወሳኺ ገሊጹ።

ፖሊስ እስራኤል ሎሚ 5 ሰነ ድማ ንኣምበሳድር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ እስራኤል ኣቶ ሎሞን ኣብርሃለይ፣ ሰልሜ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፍቱ ብምጽዋዕ ከምዘዘራረቦ እቲ ወኪል ኣፍሊጡ።

እቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ንሓድሕዶም በብጉጅለታት ተመቓቒሎም ብደናጉላን ጠራሙዝን ዘካየድዎ ባእሲ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ክፈጥርዎ ዝደልዩ ጽቡቕ ምስሊ ብኣሉታ ዝጸሉ’ዩ።

ኤርትራውያን በብዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብ ዝተኣኻኸብሉ እዋን፣ ንሓድሕዶም ክበኣሱን ዕግርግር ክፈጥሩን ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ ይርከብ።
========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0