ኤርትራ፣ ኣብ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ ካብ ዝተሳተፉ ልዕሊ 54 ሽሕ ተማሃሮ እቶም ኣስታት ፍርቂ ተሪፎም

Radio Erena: 05 September 2022

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ ዓመተ-ትምህርቲ 2021/2022 ካብ ዝተሳተፉ ተመሃሮ፡ ብማእከላይ ገምጋም 50.4ሚእታዊት ጥራይ ከምዝሓለፉ፣ ንመግለጺ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብምጥቃስ፣ ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ሓቢሩ።

ብመሰረት’ቲ ብ31 ነሓሰ ዝተዋህበ መግለጺ፣ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዓመተ- ትምህርቲ፣ ካብ 54,578 ተፈተንቲ እቶም 27,507 ክሓልፉ እንከለዉ እቶም ኣስታት ፍርቆም ድማ ተሪፎም።

ብዝርዝር ክርአ እንከሎ ድማ ኣብ ስደት፣ ኣብ ሱዳንን ስዑዲ ዓረብን ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ማሕበረኮም ኤርትራ፣ ዝበዝሑ ተማሃሮአን ክሓልፉ እንከለዉ፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፣ ብፍላይ ካብ ዞባ ማእከል ወጻኢ ግና እቶም ዝበዝሑ’ዮም ተሪፎም።

ዓንሰባ 46.6%፣ ደቡብ 48.3%፣ ጋሽ-ባርካ 39.9%፣ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ 25.5%፣ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ 50.4%፣ ጥራይ ክሓልፉ እንከለዉ፣ ኣብ ዞባ ማእከል 70.1%፣ ስዑድያ 71.7% ሚእታዊት፣ ሓይልታት ምክልኻል 72%፣ ሱዳን 100 ሚእታዊት ከምዘሕለፋ እቲ መግለጺ ብዝርዝር የነጽር።

እዚ ድማ፣ ኣብ ዞባታትን ኣብ ስደት ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ማሕበረ ኮማትን ዘሎ ገዚፍ ፍልልይ ዘነጽር’ዩ።

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፣ ስርዓተ ትምህርቲ፣ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ባይታ ዘቢጡ፣ ተማሃሮ ንውትህድርናን ስደትን ተቓሊዖም ይርከቡ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ብምዕጻው፣ ብስም ‘ኮሌጃት’ ዘቖመን ሓውሲ ወትሃደራዊ መዓስከራት ዝኾና ትካላት ትምህርቲ እኳ እንተለውኦ፣ ኣድማዕነትን ተስፋ ተማሃሮ ዘቑረጸ ምኳኑ ይፍለጥ።

እቲ መንግስቲ፣ ኣብ ትሕቲኡ ንዝመሓደር ስርዓተ ትምህርቲ ኣዳኺሙ፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣትሒዙ፣ ብብሕቲ ንዝእለያን ብተዛማዲ ኣድማዒ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ከካይዳ ዝጸንሓን ትካላት ይህግርን ይዓጹን ምህላዉ ይፍለጥ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0