ሑቲ ኣብ ወደባዊት ከተማ ሖደይዳ ዘቕረቦ ሰፊሕ ወትሃደራዊ ምርኢት፣ ኣብቲ ዞባ ሻቖሎት ፈጢሩ

Radio Erena: 05 September 2022

ንዝበዝሐ ሰሜናዊ ክፋል የመን ተቖጻጺሩ ዝርከብ ሑቲ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዘቕረቦ ወትሃደራዊ ምርኢት፣ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ምስ መንግስቲ የመን ዝተበጽሐ ስምምዕ ከይጥሕስ ዘሻቕል ምዃኑ ተገሊጹ።

ሑቲ፣ ኣብ ታሪኹ ዝዓበየ ምዃኑ ዝተገለጸ ወትሃደራዊ ምርኢት ምቕራቡ፣ ንኵናት ዝቱኽቱኽ ከይከውን ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ።

ኣብ 2018 ኣብ ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ወደባዊት ከተማ ሖደይዳ ካብ ሓይልታት ክልቲኦም ወገናት ናጻ ኮይና ኣብ ትሕቲ ተዓዛብነት ሕቡራት ሃገራት ክትጸንሕ ዝብል’ዩ።

እንተኾነ፣ ሓይልታት ሑቲን ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝድገፍ ሰራዊት መንግስቲ የመንን ተደጋጋሚ እዋን ግጭታት ኣካይዶም’ዮም።

ሚዛን ወትሃደራዊ ሓይሊ የመን ተቖጻጺሩ ከምዘሎ ዝንገረሉ ሑቲ፣ ነታ ናብ ኤርትር ዝቐረበትን ብዕብየታ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝርከባ ወደባት የመን፣ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እትስራዕን ሖደይዳ ኣብ ትሕቲኡ ከምዘላ’ዩ ዘመላኽት።

ሑቲ ኣብ ባሕቲ መስከረም ኣብ ዘቕረቦ ወትሃደራዊ ምርኢት፣ ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት፣ ድሩዓት፣ ከብድቲ ብረትን ሰብ ኣልቦ ወትሃደራውያን ድሮናትን ዘጠቓለለ’ዩ።

እቲ ብ’ኣንሳር ኣላህ’ ዝፍለጥ፣ ብኣመንቲ ሺዓ ዝቖመ ሓይሊ፣ ብኢራን ከምዝድገፍ’ዩ ዝንገረሉ

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ናይ ኤርትራን ካልኦት ሃገራትን ደገፍ ብምርካብ፣ ካብ 2015 ኣትሒዘን ኣብ ልዕሊ ሑቲ ዘካየደኦ ገዚፍ ወትሃደራዊ ወፍሪ፣ ኣብ ባይታ ለውጢ ከምጽእ ብዘይምኽኣሉ፣ ብፖለቲካዊ ዘተ ንምፍትሑ’የን ዝጽዕራ።

ብሑቲ ተሳዒሩ፣ መጀመርያ ካብ ሰንዓ ደሓር ድማ ካብ ዓደን ሃዱሙ ኣብ ስደት ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ከተማ ሪያድ ዝርከብ መንግስቲ የመን፣ ዛጊት ናብ ሃገሩ ክምለስ ኣይከኣለን።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0