ኤርትራ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት፣ በብእዋኑ ኣብ ግጥማት ሴካፋ ንምስታፍ ዝወጹ 64 ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ዑቕባ ንምሕታት ተሪፎም

Radio Erena: 09 November 2021

ኣብ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ ሴካፋ ንምስታፍ ካብ 2006 ክሳብ ዝሓለፈ ሰሙን ናይ 2021 በብእውኑ ዝወጹ ብውሕዱ 64 ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፣ ዑቕባ ንምሕታት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ተሪፎም።

ኣብ ኡጋንዳ እትሕተም ጋዜጣ “ደይሊ ሞኒተር”፡ ኣብ ናይ ቀዳም 6 ሕዳር ሕታማ፡ “The disappearing act of Eritreans over the years”፡ ማለት “ንዓመታት ዝቐጸለ ተግባር ምስዋር ኤርትራውያን” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ኣብ ዘስፈረቶ ዓንቀጽ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ሓሙሽተ ኣባላት ናይ’ታ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ውድድር ሻምፕዮን ኩዕሶ እግሪ ሃገራት ሴካፋ ደቂኣንስትዮ ትሕቲ 20 ክቐነየት ምስዋረን፣ ኣብ ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ሓድሽ ተርእዮ ከምዘይኮነ ገሊጻ።

እታ ጋዜጣ ብዘስፈረቶ ዝርዝራት መሰረት፣ ኣብ 2006 ኣርባዕተ ተጻወትቲ ናይ’ታ ኣዝያ ዕዉት’ቲ ክለብ ዝነበረት ቀይሕ ባሕሪ፡ ብድሕሪ እቲ ብክለብ ታስከር ብድምር ውጽኢት 4 ብ 1 ዝተሳዕረትሉ ግጥም ሻምፕዮንስ ሊግ ካፍ፡ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኬንያ ተሪፎም።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2007፡ ፍርቂ ደርዘን ተጻወትን ሓለፍትን ናይ’ታ ኣብ ውድድር ሴካፋ ኣብ ልዕሊ ኡጋንዳ 3 ብ 2 ዝተዓወተት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ኣብ ታንዛንያ ዑቕባ ሓቲቶም።

ተደጋጋሚ ምትራፍ ተጻወቲ ዘሰናበዶ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ግጥማትን ውድድራትን ንዝግበር ጽምዶ ክስርዝ እኳ እንተተገደደ፣ ኣህጉራዊ ፈደረሽናት ብዝገበራሉ ጸቕጥታት ውሳኔኡ ንኽትልውጥ ተቐሲቡ።

ይኹን’ምበር፣ እቲ መንግስቲ፣ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኮይኖም ክገሹ ንዝተመርጹ ተጻወትቲ፡ ቅድሚ ካብ ሃገር ምውጽኦም፡ ከም ውሕስነት ከትሕዝዎ ዝተሰለዐ መጠን ገንዘብን ዋሕስ ኣባል ስድራን ከመዝግቡ ከም ቅድመ ኩነት ብምቕማጥ ዞባዊ ግጥማት ክቕጽል ወሲኑ።

እዚ ቅድመ ኩነት እዚ፣ ካብ ሃገር ናይ ምውጻእ ዕድል ንዝረኸቡ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ፣ ኣብ ዘዝኸድዎ ካብ ምትራፍ ኣይዓንቀጾምን።

ኣብ 2009 ኣብ ናይሮቢ ኬንያ፡ ካብ ዝተገብረ ውድድር ሲንየር ቻሌንጅ ካፕ ሴካፋ፡ ሓደ ኣሰልጣኒን ሓደ ሓላፊ ሃገራዊት ጋንታን ጥራይ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከለዉ፡ 13 ተጻወትቲ ግና ተሰዊሮም ብድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ ዝቐጸለ ዓመት ናብ ከተማ ዳርኤሰላም ብምቕናዕ ዑቕባ ሓቲቶም።

ኣብ 2012፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ኣብ ከተማ ካምፓላ ኡጋንዳ ኣብ ውድድር ሲንየር ቻሌንጅ ካፕ ሴካፋ ንምጽዋት ኣብ ዝነቐለትሉ፡ ኣዝዩ ጽኑዕ መምርሒታት ኣብ ግብሪ ውዒሉ፣ ተጻወቲ ክሳብ 150 ሽሕ ናቕፋ ከም ዋሕስ ከትሕዙ እኳ እንተተገደዱ፣ ኣብ’ዚ ‘ውን 17 ኣባላት ናይ’ታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ’ታ ሃገር ተሪፎም ናይ ዑቕባ ሕቶ ኣቕሪቦም።

ኣብ 2015፡ 10 ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ኣንጻር ቦትስዋና ግጥም መጻረዪ ንዋንጫ ዓለም ብድሕሪ ምክያዶም፡ ናብ ሃገሮም ኣይተመልሱን።

ኣብ 2019 ‘ውን ብተመሳሳሊ፡ ሓሙሽተ ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ትሕቲ 20 ዓመት፡ ኣንጻር ኬንያ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ቅድሚ ምስላጦም፣ ኣዕሪፎሙሉ ካብ ዝነበሩ፣ ኣብ ኡጋንዳ፣ ከተማ ጂንጃ ኡጋንዳ ዝርከብ ሆቴል ተሸሪቦም።

ዝሓለፈ ሰሙን ድማ ሓሙሽተ ኣባላት ናይ’ታ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ውድድር ሻምፕዮን ኩዕሶ እግሪ ሃገራት ሴካፋ ደቂኣንስትዮ ትሕቲ 20 ዓመት ዝተሳተፈት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ ኣብ ከተማ ጂንጃ ካብ ዝርከብ መዕረፊ ሆቴል ተሰዊረን፣ ብፖሊስ ይህደና ኣለዋ።

ካብ ሃገር ወጻኢ ገይሸን ኣብ ዞባዊ ግጥማት ናይ ምስታፍ ውሑድ ዕድል ዝጸንሐን ደቂንስትዮ ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፣ ብእኩብ ዑቕባ ንምሕታት ክተርፋ እዚ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ፍጻሜ ናይ ፈለማ’ዩ።

========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0