ኤርትራ፣ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ባህርዳር ኣብ ዝጅምር ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ሴካፋ ክትሳተፍ’ያ

Radio Erena: 29 June 2021

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ኣብ 3 ሓምለ፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ከተማ ባህርዳር ኣብ ዝጅምር፣ መበል 41 ውድድር ዋንጫ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ሃገራት ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ፡ ወይ ሴካፋ ክትሳተፍ’ያ።

ኣብዚ ዞባዊ ግጥም፣ ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ኡጋንዳ፡ ጂቡቲ፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ታንዛንያ፡ ዛንዚባር፡ ብሩንዲ፡ ርዋንዳን ሶማልያን ከም ኣባላት ክሳተፋ እንከለዋ፣ ሃገራዊት ጋንታ ዲሞክራስያዊት ሪፑብሊክ ኮንጐ ከኣ፡ ከም ዕድምቲ ኮይና ክትጽንበረን እያ።

ውድድር ሴካፋ፣ ሲንየር ቻሌንጅ ካፕ ብዝብል ስም እናተጸወዐ፣ ሃገራውያን ጋንታታት ካብ ናይ ሲንዮር ይኹን ትሕቲ 23 ዓመት ዝዕድሚኦም ዝመረጽኦም ተጻወትቲ ከሳትፋ ዝፈቅድ’ዩ ኔሩ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ግና፡ ሓንቲ ሃገራዊት ጋንታ፡ ካብ ሲንየር 3 ተጻወትቲ ጥራይ ክትመርጽ ክፍቀደላ እንከሎ እቶም ዝተረፉ ድማ ዕድሚኦም ትሕቲ 23 ዓመት ክኸውን ኣለዎ።

ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ሴካፋ፣ ኣብ 2019 ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝተኻየደሉ፡ ብሉጽ ጸወታ ብምንጽብራቕ ልዑል ኣድናቖት ዝረኸበት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ኣብ መፈጸምታ ብኣኣንጋዲት ሃገር ኡጋንዳ 3 ብ 0 ተረቲዓ፡ ካልኣይ ደረጃ ከምዝሓዘት ኣይርሳዕን።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ብሉጽ ብቕዓት ከተንጸባርቕ እኳ እንተኸኣለት፣ ልዕሊ ፍርቂ ካብ ተጻወታ ግና ኣብ መወዳእታ ዑቕባ ንምሕታት ኣብ ኡጋንዳ ተሪፎም’ዮም።

ውድድር ሴካፋ ሲንየር ቻሌንጅ ካፕ፡ ኣብ 1926 “ጎሳጀ ካፕ” ብዝብል ስም፡ ብኬንያን ኡጋንዳን ዝተመስረተ ኮይኑ፣ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝገደመ ውድድር ኩዕሶ እግሪ እዩ።

====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0