መንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ፣ ኣባላት ኣልሸባብ’ዮም ዝበሎም 21 ሰባት ረሺኑ

Radio Erena: 29 June 2021

መንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ፣ ኣባላት ሽበራዊ ጉጅለ ኣልሸባብ’ዮም ዝበሎም 21 ሰባት ረሺኑ።

እቶም ኣብ ርእሰ-ከተማ ናይታ ምምሕዳር፣ ከባቢ ጋልካዮ ብመስርዕ ዝተረሸኑ ሰባት፣ በብእዋኑ ዝተታሕዙ ኮይኖም፣ ኣባላት ኣልሸባብ ተባሂሎም፣ ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ክጻረ’ዩ ጸኒሑ።

እቲ ርእሰ ምምሕዳር፣ ነቶም ብቕትለትን ካልእ ናይ ሽበራ ገበናትን ዝኸሰሶም ሰባት ብ27 ሰነ ዝረሽኖም፣ ኣልሸባብ፣ ኣብ ዞባ ጋልሙዱግ ኣብ እትርከብ ቁሸት ዊሲሊ መጥቃዕቲ ብምክያድ፣ ሓያሎ ሰባት ከምዝቐተለ ኣብ ዝተገልጸሉ ሒደት ሰዓታት’ዩ።

ሓይልታት ጸጥታ ናይቲ ዞባ ኣብ ዝኸፈትዎ ናይ ግብረ መልሲ መጥቃዕቲ፣ ካብ ክልቲኦም ወገናት ብዝተተኮሰ ጠያይቲ፣ 10ታት ሰለማውያን ሰባት ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ከምዝኾኑ’ዩ ተገሊጹ።

ኣልሸባብ ብወገኑ፣ ኣብቲ መጥዕቃቲ፣ 34 ሓያልታት ጸጥታ ከምዝቐተለ ክሕብር እንከሎ፣ ሓይል ጸጥታ ብወገኖም እቶም ዝተቐትሉ ኣባላት እቲ ዑጡቕ ሓይሊ’ዮም ክብሉ ይነጽግዎ።

ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንምክያድ ኣብ እትዳሎ ዘላ ሶማል፣ ዝዓበየ ጸጥታዊ ስግኣታ፣ ኣልሸባብ’ዩ።

ተዳኺሙ ክብሃል ዝጸንሐ ኣልሸባብ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት እታ ሃገር መጥቃዕታት የካይድ ኣሎ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0