ኤርትራ፣ ንጥዕና ሓደገኛ ዝኾነ 250 ኩንታል ኮሚደረ ተጓሒፉ

ኤርትራ፣ ንጥዕና ሓደገኛ ዝኾነ 250 ኩንታል ኮሚደረ ተጓሒፉ

Radio Erena: 30 March 2018

Eri

ኣብ ኤርትራ፣ ንዕዳጋ ቀሪቡ ዝጸንሐ ብጸረ ባልዕ ዝተበከለ ኣስታት 250 ኩንታል ኮሚደረ ከምዝተጓሕፈ ንሚኒስትሪ ሕርሻ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ኣፍሊጡ።

እቲ ብዝተነጽገሉ ጸረ ባልዕ፣ ኣብ ጥዕና ሳዕቤን ከኸትል ከምዝኽእል ዝተገልጸ፣ ኣብ ከባቢ ዞባ ማእከል ንዕዳጋ ቀሪቡ ዝነበረ ኮሚደረ፣ ብሰሉስ 27 መጋቢት ኣብ ቅድሚ ዝምልከቶም ኣካላት ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ከምዝኾነ እቲ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ግዜ ምሕፋስ ምህርቲ ዝንጸግ ጸረ ባልዕ ኣብ 2017’ውን ተመሳሳሊ ተርእዮ ፈጢሩ ምንባሩ ዝገለጸ እቲ ሚኒስትሪ ሕርሻ፣ ደጊሙ ከይክሰት ንኣፍረይቲን ሓረስቶትን ኣስተምህሮ ሂቡ ምንባሩ ይጠቅስ።

እንተኾነ፣ በቲ “ቱታ ኣብሶሉታ” ከምዝብሃል ዝተጠቕሰ ሓደገኛ ጸረ ባልዕ ዝተበከለ ጠቕላላ ብዝሒ ኮሚደረን ክንደይ ዝኣክል ካብኡ ህዝቢ ኣህሊኽዎን ኣይተገልጸን።

እዚ እዋን’ዚ ፍርያት ኣሕምልቲ፣ ኮሚደረን ሽጉርትን ብብዝሒ ዝሕፈሰሉ ወቕቲ ብምዃኑ ብመጠኑ ናህሪ ዋጋታቱ ወሪዱ እኳ እንተሎ፣ በቲ ንጥዕና ሳዕቤን ዘለዎ ጸረ ባልዕ ዝተበከለ ኮሚደረ ንዕዳጋ ወሪዱ ምጽንሑ ግና ንህዝቢ ኣሻቒሉ ከምዘሎ ይግለጽ።

ብኮንሮባንዳ ናብ ኤርትራ ዝኣቱ ዕሹግ መግብታት ኣብ ጥዕና ከቢድ ሳዕቤናት የስዕብ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ክጥቀስ ጸኒሑዩ።

 

ስእሊ፣- ካብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝተወስደ

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0