ቐጠር ኣብ ስዋኪን ናይ ሱዳን ወደብ ክትሃንጽ’ያ

ቐጠር ኣብ ስዋኪን ናይ ሱዳን ወደብ ክትሃንጽ’ያ

Radio Erena: 01 April 2018

ali ahmedቐጠር ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ሱዳን እተካዪዶ ዘላ ገዚፍ ወፍሪ፣ ንመላእ’ቲ ዞባ ናይ ምዕባለ ኣፍደገ ዝኸፍት’ዩ ክብል ኣመሓዳሪ’ቲ ዞባ ዓሊ ኣሕመድ ሓሚድ ገሊጹ።

ካብ ከተማ ዶውሓ ዝተመሓላለፈ ዜና ከምዘመልክቶ፣ ኣመሓዳሪ ዓሊ ኣሕመድ ሓሚድ ብ31 መጋቢት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ቐጠር ኣብ ስዋኪን ወደብ ንኽትሃንጽ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዘተ ክካየድ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ እዋን ናብ ተግባራውነት ዝሰጋገረሉ እዋን በጺሑ ክብል ገሊጹ።

እቲ ቐጠር 4 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ከምዘካየደትሉ ዝንገረሉ ዘሎ ሓድሽ ወደብ ስዋኪን፣ ብዓይነት ኣገልግሎቱ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝዓበየ ከምዝኸውን ይግለጽ።

ቀዳማይ እብረ ምህናጽ’ቲ ወደብ ሰላሳ ኣዋርሕ ዝወስድ ኮይኑ ድሮ 500 ሚልዮን ዶላር ተሰሊዑሉ ኣብ እዋን’ቲ ምፍርራም ስምምዕ ናብ ሱዳን ከምዝተረከበ ጋልፍ ኒውስ ብወገኑ ኣብ ዘውጸኦ ሓበሬታ የመልክት።

ኣመሓዳሪ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ሱዳን ዓሊ ኣሕመድ ሓሚድ ብተወሳኺ፣ ካብ ወደብ ሓማድ ናይ ቐጠር ናብ ኩለን ወደባት ሱዳን ዝዝርጋሕ መስመራት ባሕሪያ ኣብዚ ቀረባ እዋን ክኽፈት ምዃኑ ሓቢሩ።

================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0