ኤርትራ፣ ንሶማልያን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ንምቕርራበን ድሌት ከምዘለዋ ተገሊጹ

Radio Erena: 09 May 2019

ኤርትራ፣ ንሶማልያን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ናብ መኣዲ ዘተ ንምቕርራበን ድሌት ከምዘለዋ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ማህዲ መሓመድ ጉለድ ገሊጹ።

ማዕከን ዜና ጋሮወ ኦንላይን ብዘቕረቦ ሓበሬታ መሰረት፣ እቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ኤርትራ ካብተን ንሶማልያን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ናብ መኣዲ ዘተ ንምቅርራብ ድሌት ዘለወን ሃገራት ምዃና ብምጥቃስ፣ ዝወሰደቶ ተበግሶ ኣገዳሲ’ዩ ክብል ኣስሚርሉ።

ሶማልያን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ንምቕርራብ ኣብ 2015 ኣብ ቱርኪ ክካየድ ዝተወጠነ ዋዕላ ድሕሪ ምፍሻሉ፣ ክልትኦም ወገናት ዝኾነ ርክብ ኣየካየዱን።

ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጅቡቲ ዝተወጠነ ርክብ ክሰምር ኣይከኣለን።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብን ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ብምውካል፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ናብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ብምብጻሕ፣ ምስ ፕረዚደንት ሙሰ ብሔ ብዛዕባ’ቲ ናይ ምቅርራብ መደባት ከምዝተመያየጡ ይዝከር።

ብዘይካ ኤርትራ ከም ኢትዮጵያ፣ ሽወደን፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ሃገራት ውድባትን፣ ንሶማልያን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ንምቕርራብ ፈተነ ኣብ ምክያድ’የን ዝርከባ።

ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ተፈንጪለን ዝጸንሓ ፑንትላንድ እትርከበን ሓሙሽተ ዞባታት፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ ፑንትላንድ ከተማ ጋሮወ ናይ ሓድነት ዘተ ከምዘካየዳ ዝዝከር’ዩ።

ካብ 1991 ኣትሒዛ ካብ ሶማል ተፈንጪላ እትርከብ ሶማሊላንድ፣ ሉኣላዊት ሃገር ምዃና እኳ እንተኣወጀት፣ ብማሕበረ ሰብ ዓለም ተቐባልነት ኣይረኸበትን።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Habte 5 years ago

    This is very hypocritical move from The regime in Eritrea. A regime that does know how to make peace and reconciliation with its citizens cannot help in Somalia.
    Start at home and be an example than try to act like a butterfly “ ፅምብላሊፅ “