ልኡኻት ግብጺን ናይጀርያን ናብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ በጺሖም

Radio Erena: 10 May 2019

ብምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሓምዲ ሳናድ ሉዛ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ግብጺ ናብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ በጺሑ።

እቲ ልኡኽ ብ7 ግንቦት ናብ ከተማ ሃርጌሳ ኣብ ዝበጽሓሉ ምስ ፕረዚደንት ናይታ ርእሰ ምምሕዳር ሙሰ ብሔ ዓብዲ ብምርኻብ ኣብ ክልትኣዊ ዝምድናታት ዘተኮረ ዘተ ከምዘካየደ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ካብ ካይሮ ገሊጹ።

እንተኾነ ምብጻሕ ልኡኽ ግብጺ ናብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ሓድነት ሶማል ዝካየድ ዘሎ ርክባት ምዃኑ ዲፕሎማሰኛታት ይእምቱ።

ኣቐዲሙ ብ5 ግንቦት፣ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሶጉን ኦባሳንጆ ዝምርሖ ልኡኽ’ውን ናብታ ርእሰ ምምሕዳር በጺሑ’ዩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብን፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብዛ ርእሰ ምምሕዳር ከምዝበጽሑ’ውን ይዝከር።

ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ኣብ1991 ካብ ሶማል ተፈንጪላ ናይ ገዛእ ርእሰ ምምሕዳር መስሪታ ትርከብ።

እንተኾነ ኣህጉራዊ ተቐባልነት ስለዘይረኸበት፣ ከም ሉኣላዊት ኣካል ሶማል’ያ ትፍለጥ።

ይኹን’ምበር፣ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢማራትን፣ ንወደብ በርበራ ናይዛ ርእሰ ምምሕዳር ብሽርክና ንምውናኑ ምስ መንግስቲ ናይታ ርእሰ ምምሕዳር ስምምዕ ከቲመን ኣለዋ።

እዚ በዘን ክልተ ሃገራት ዝተኸተመ ስምምዕ፣ ንሉኣላውነት ሶማል ዝጥሕስ’ዩ ክብል ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ይወቅስ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0