ኤርትራ፣ ናይ ውልቂ ኣባይቲ ከይህነጽ ዳግማይ መጠንቐቕታ ይመሓላለፍ

ኤርትራ፣ ናይ ውልቂ ኣባይቲ ከይህነጽ ዳግማይ መጠንቐቕታ ይመሓላለፍ

Radio Erena: 05 November

Houses demolished

ካብ ኢትዮጵያ ብዝኣቱ ዘሎ ሰሜንቶ፣ ዚንጎን ቴንዲኖን፣ ዕዳጋታት ናይ ህንጻ መሳርሒታት ብዝተዛማዲ ተረጋጊኡሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ውልቂ ኣባይቲ ከይህነጹ ዝኽልክል ዳግማይ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ።

እቲ መንግስቲ፣ ብዘይፍቓድ መንግስቲ ዝኾነ ምህናጽ ኣባይቲ ከይትግበር ምምሕዳራት ምክትታል ክገብራሉ እኳ እንተኣዘዘ፣ ኣባይቶም ዳግም ክሃንጹ ዝደልዩ ይኹን ሓድሽ ኣባይቲ ንምስራሕ ዝጽበዩ ዘሎ ዜጋታት ግና ዘቕረብዎ ናይ ፍቓድ ሕቶ ንዓመታት ተደናግዩ ከምዘሎ’ዮም ዝገልጹ።

እቲ መንግስቲ ኣቐዲሙ፣ ብዘይፍቓድ መንግስቲ ተሃኒጹ ዝበሎ ልዕሊ 8 ሽሕ ኣባይቲ ብደረጃ ሃገር ከዕኑ እንከሎ፣ ኣሽሓት ስድራቤታት ከምዝከላበታን ሚልዮናት ዶላራት ከኣ ብኸንቱ ከምዝባኽን ምግባሩን ኣይርሳዕን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ዋጋ ሰሜንቶ፣ ካብ 3 ሽሕ ናቕፋ ናብ 180 ናቕፋ ክወርድ እንከሎ፣ ዋጋታት ቴንዲኖን ዚንጎን’ውን ብልዕሊ ፍቅሪ ጎዲሉ ስለዘሎ፣ ህዝቢ ናይ ህንጻ መሳርሒታት ብብዝሒ ክሽምት ይርአ ስለዘሎ’ዩ እቲ መንግስቲ ናይ ውልቂ ኣባይቲ ከይህነጽ ደጊሙ መጠንቐቕታ ዘመሓላልፍ ዘሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ብናይ ቻይና ሓገዝ ዝሃነጾ ትካል መፍረ ሰሜንቶ ገደም፣ ብሰንኪ ምቁራጽ ኣገልግሎታት ኤሌክትሪክን ምምሕዳራዊ ጸገማትን፣ እኹል ሰሜንቶ ከፍሪ ኣይጸንሐን።

ይኹን’ምበር ብኮንትሮባንዳ ካብ ሱዳን ክኣቱ ዝጸንሐ ሰሜንቶ፣ ብደላሎን ካልእ መንገዲን ክሳብ 3 ሽሕ ናቕፋ ንኩንታል ክሽየጥ ምጽንሑ ይፍለጥ።

እቲ መንግስቲ፣ ናይ ሰሜንቶን ካልእ ናይ ህንጻ መሳርሒታትን ዋሕዲ ከምዘሎ እናመኻነየ፣ ብቦንድ ይኹን ብናይ 2 ካብ ሚእቲ ፍሉይ ረብሓታት፣ ኣባይቲ ክሰርሖልም ገንዘቦም ዝኸፈሉ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ንልዕሊ 14 ዓመታት ኣባይቶም ክርከቡ ኣይከኣሉን።

እቶም ዜጋታት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ጸገም ሰሜንቶን ካልእ ናይ ህንጻ መሳርሒ ኣቑሑን ሳላ ኢትዮጵያ ተፈቲሑ ስለዘሎ፣ ንዓመታት ክደናገ ዝጸንሐ ምህናጽ ኣባይቶም ክሳለጥ ተስፋ ጌሮም ይርከቡ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ደገፍቲ ጥራይ ዘይኮነ፣ ንስንኩላን ተጋደልቲ ነበር፣ ገዳይም ተጋደልቲ ነበርን ሃገራዊ ኣገልግሎትን፣ መንበሪ ገዛ ክስርሓልኩም እዩ እናበለ ንዓመታት ከታልሎም ምጽንሑ ይፍለጥ።

====================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0