ኤርትራ፣ ወፍሪ ክካየደለን ካብ ዘይምችኣ ሃገራት ተባሂላ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ

ኤርትራ፣ ወፍሪ ክካየደለን ካብ ዘይምችኣ ሃገራት ተባሂላ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ

Radio Erena: 05 November

Doing Business WB

ኤርትራ፣ ወፍሪ ክካየደለን ካብ ዘይምችኣ ሃገራት ዓለም ተባሂላ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ።

ባንክ ዓለም፣ Doing Business ብዝብል ኣርእስቲ ዓመታዊ ኣብ ዝዝርግሖ ናይ 190 ሃገራት መጽናዕቲ፣ ኣብ ዓመተ 2018፣ እታ ንወፍሪን ንግድን ዘይምጽእቲ ሃገር ኢሉ ኣብቅ ቀዳማይ ደረጃ ኣቐሚጡዋ ዘሎ ሃገር ሶማልያ ክትከውን እንከላ፣ ኤርትራ ንሶማል ጥራይ በሊጻ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትርከብ።

ነዘን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከባ ክልተ ድኻታት ሃገራት በሊጻ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዝተሰርዐት፣ ምስ ጸግኣ ብድኽነት እትሕመስ ዘላ ፣ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ኣብ ደቡብ ኣመሪካ እትርከብ ቬኔዙዌላ’ያ።

ባንክ ዓለም፣ እተን ንወፍርን ንግድን ዝመችአ ባይታ ዘለወን ሃገራት ኢሉ ኣብ ቅድሚት ዘቐመጠን ሃገራት፣ ኒዊዚላንድ፣ ሲንጋፖርን ደንማርክን’የን።

ቻይናን ህንድን ብዘተኣታተውኦ ዘለዋ ለውጥታት ናይ ወፍሪን ንግድን ፖሊሲቲታት፣ ካብ ዝነበርኦ ደረጃታት ኣመሓይሸን ከምዘለዋ’ውን እቲ ጸብጻብ ይጠቕስ።

ኤርትራ፣ ንወፍሪን ንግድን ዘይትምችእ ሃገር ተባሂላ ምስ ቀዳምት ሰለስተ ሃገራት ክትስራዕ፣ ሎሚ ዓመት ንፋልማይ እዋና ኣይኮነን።

ንወፍርን ንግድን ዝምችእ ፖሊስታትን ፖለቲካዊ ባይታን ዘይብላ ኤርትራ፣ ይትረፍ ዶ? ወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ክትዕድም፣ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ዘቤታዊ ወፍርታት’ውን ናብ ኡጋንዳ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኮንጎ፣ ርዋንዳን ኣንጎላን ዝኣመሰላ ዝሓሸ ናይ ወፍሪ ፖሊስታት ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ ግዒዙ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ፣ ናይ ወጻኢ ወፍሪ ዝካየደሉ እንኮ ጽላት ዕደና ኮይኑ፣ እዚ’ውን ካልእ ኣማራጺ ስለዘይብሉ ምዃኑ ተንተንቲ ቁጠባ የረድኡ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0