ኤርትራ፣ ናብ ንጡፍ ኣባልነት ኢጋድ ክትምለስ ፕረዚደንት ኬንያ ጻዕርታት የካይድ ምህላዉ ተገሊጹ

Radio Erena: 10 January 2023

ኤርትራ ናብ ንጡፍ ኣባልነት ዞባዊ ውድብ መንግስታት በይናዊ በዓል ስልጣን ወይ ኢጋድ ንኽትምለስ፣ ፕረዚደንት ኬንያ፣ ዊልያም ሩቶ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት የካይድ ከምዘሎ መርበብ ዜና ዘ ኢስት ኣፍሪካን ገሊጹ።

እቲ መርበብ ዜና፣ ንምንጭታት ዲፕሎማሲ ብምጥቃስ፣ ብ08 ጥሪ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፣ ኣቦ መንበርነት ኢጋድ ክርከብ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ፕረዚደንት ኬንያ፣ ኤርትራ ትኹን ካልእ ኣባል እቲ ዞባዊ ውድብ ክትንጸል ዘይኮነ፣ ጸገማት ብምዝርራብ ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል ተበግሶ ወሲዱ ምህላዉ ኣረዲኡ።

ኤርትራ፣ ካብ 1993 ኣትሒዛ ኣባል ኢጋድ እኳ እንተኾነት፣ ምስ ምውላዕ ናይቲ ኣብ 1998 ክሳብ 2000 ምስ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኵናት፣ ኣባልነታ ኣደስኪላ’ያ ጸኒሓ።

እታ ሃገር ክሳብ እዚ እዋን፣ ኣባልነት ምሉእ ብምሉእ እኳ እንተዘይትኣልየ፣ ንጡፍ ኣበርክቶ ኣይጸንሓን።

ኢትዮጵያ፣ ጂቡቲ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሶማል፣ ኡጋንዳን ኬንያን ዝኣባላቱ ኢጋድ ኣብ ዘካይዶ ዛኦብባዊ ዋዕላታት፣ ባንዴራ ኤርትራ ትስቀል እኳ እንተኾነት ወኪል ኤርትራ ግና ኣይሳተፍን’ዩ።

ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ 100 መዓልታት ኣቝጺሩ ዘሎ ፕረዚደንት ኬንያ፣ ዊልያም ሩቶ፣ ኤርትራ ናብ ንጡፍ ኣባልነት ኢጋድ ክትምለስ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብታ እዋናዊ ስልጣን ኣቦ መንበርነት ኢጋድ ሒዛ ዘላ ሱዳን ንዘሎ ፖለቲካዊ መስርሕ’ውን እጃሙ ከበርክት ከምዘለዉ’ዩ ዝእምን።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ፣ ናብ ኢትዮጵያ፣ ኡጋንዳ፣ ታንዛንያ፣ ግብጺ፣ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ኤርትራን ወግዓዊ ናይ ስርሕ ምብጻሕ ብምክያድ ምስ መራሕተን ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ተመያይጡ’ዩ።

ማእከላይ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ጂቡቲ ዝኾነ ኢጋድ፣ ብዋና ጸሓፊ ዝምራሕ ዞባዊ ውድብ ኮይኑ፣ ኣባላት ሃገራት በብዓመቱ ‘የን ናይ ኣቦ መንበርነት ስልጣን ዝሕዛ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0