ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ንኣይሁዳውያን ዝበጽሖም ግፍዕታት ‘ሆሎኮስት’ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ክትምህር’ያ

Radio Erena: 10 January 2023

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ተማሃሮ መባእታን ካልኣይን ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ንኣይሁዳውያን ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝወረዶም ግፍዕታት ዘዘንቱ ፍጻሜታት ክመሃሩ ምውሳና፣ ንመግለጺ ኤምባሲ እታ ሃገር ካብ ኣመሪካ ብምጥቃስ ኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ይኹን’ምበር ብዛዕባ’ቲ እታ ሃገር ወሲዳቶ ዘላ፣ ንካሪክለም ወይ ስርዓተ ትምህርቲ ዝልውጥ ስጉምቲ ብዝምልከት ብመንግስቲ ዝተዋህበ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።

እታ ብሸውዓተ መሻይኽ ዝመሓደራ ግዝኣታት ዝቖመተ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ካብ ነሓሰ 2020’ዩ ምስ እስራኤል ዝምድና መስሪታ።

እዘን ክልተ ሃገራት፣ ኣብ ዲፕሎማሲ፣ ቁጠባን ንግዲን ከምኡ ድማ ጸጥታ ዘተኮረ ምትሕግጋዝ ክግበራ ሓያሎ ስምምዓት ከቲመን’የን።

ተማሃሮ ኢማራት፣ ነቲ ንኣይሁዳውያን ኣብ እዋን ካልኣይ ኵናት ዓለም፣ ብስርዓተ ናይዚ ናይ ጀርመን ዝወረዶም ግፍዕታት ወይ ሆሎኮስት፣ ኣብ ዓውዲ ታሪኽ ክመሃሩ ዘገድድ ስርዓተ ትምህርቲ ምቕያራ፣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዓረብ ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0