ኤርትራ፣ ተኣስሮም ዝጸንሑ ኣስታት 50 የመናውያን ናብ ዓዶም ተፋንዮም

Radio Erena: 04 June 2021

ኣብ ኤርትራ ንልዕሊ 4 ዓመታት ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኣስታት 50 የመናውያን ናብ ዓዶም ተፋንዮም።

እቶም የመናውያን፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ካብ ከተማ ዓደን ዘምጻቶም ምንባሮም ዝሓበሩ ምንጭታት፣ ብቀዳም 26 ግንቦት፣ ካብ ዓሰብ ብጃልባ ናብ ዓዶም ከምዝተፋነዉ ኣረጋጊጾም።

ተኣሲሮምሉ ዝነበሩ ከባቢ ብልክዕ ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ቅድሚ ናብ ዓዶም ምፍናዎም ኣብ ዝነበራ ሒደት ኣዋርሕ፣ ኣብ ዓሰብ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ‘ዮም ጸኒሖም።

ዝተኣስርሉ ምኽንያት ይኹን ኣብዚ እዋን’ዚ ዝተፈትሕሉ ኣይተፈልጠን።

ስእሊ፣- ኣብ ዓሰብ እትርከብ ቤት ትምህርቲ፣ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=================================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0