ትግራይ፣ ብሰንኪ ኵናት ካብ ስድራቤታቶም ዝተበታተኑ ልዕሊ 6 ሽሕ ቆልዑ ከምዝመዝገበ UNICEF ኣፍሊጡ

Radio Erena: 03 June 2021

ኣብ ትግራይ፣ ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ካብ ስድራቤታቶም ዝተበታተኑ ልዕሊ 6 ሽሕ ቆልዑ፣ ህጹጽ ሓገዝ ንምርካብ ከምዝተመዝገቡ ኣህጉራዊ ማዕከን ቆልዑ- ዩኒሴፍ ኣፍሊጡ።

ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ትግራይ ንምብጻሕ ስለዘይተኻእለ፣ ኣብ ካልኦት ከባቢትታ’ውን ብዘይ ስድራ ዝተረፉ ብዙሓት ቆልዑ ክህልዉ ከምዘኽእሉ እቲ ትካል ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዘውጽእ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ነዞም ብዘይ ኣላዩ ዝተረፉ ቆልዑ፣ ምስ ስድራቤታቶምን መቕርቦምን ንምጽንባር ዝካየድ ፈተነ፣ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታትን ድሩት ኣገልግሎታት መራኸቢታትን ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ ክብል ዩኒሴፍ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ጎራዙትን ደቂንስትዮን ዝካየድ ዘሎ ጾታዊ ዓመጽ ኣዝዩ ዘሰንብድ’ዩ ዝበለ እቲ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ትካል፣ ዛጊት ንልዕሊ 540 ግዳያት ሓገዛት ከምዘበርከተ ኣረጋጊጹ።

ሻብዓይ ወርሑ ኣቝጺሩ ኣብ ዘሎ ኵናት፣ ናይ ዝሞቱ ሰላማውያን ሰባት ብዝሒ ብልክዕ ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ኣዝዮም ብዙሓት ቆልዑ ዘኽቲሞም ምህላውም ክረጋገጽ ክኢሉ’ዩ።

ብዙሓት ቆልዑ’ውን ግዳያት ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስንክልና ኮይኖም’ዮም።

1.6 ሚልዮን ህዝቢ ካብ መነባብርኡ ክመዛበል እንከሎ፣ እቶም 720 ሽሕ ቆልዑ’ዮም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ 5.2 ሚልዮን ህዝቢ ወይ ድማ እቲ ልዕሊ 90% ካብ ህዝቢ ትግራይ ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ ከምዘድልዮ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ገሊጹ።

ዛጊት ንኣስታት ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ጥራይ፣ ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ ከብጽሕ ከምዝኽኣለ ዝጠቐሰ እቲ ትካል፣ ዝበዝሐ ህዝቢ ትግራይ ህጹጽ ረዲኤት ክረክብ እንተዘይክኢሉ፣ ንከቢድ ጥሜትን ደርቂን ክቃላዕ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0