ኤርትራ፣ ብዩኒሴፍ ዝተመወለ፣ ክታበት ጸረ ኣንቅጺ ይወሃብ ኣሎ

Radio Erena: 21 November 2019
ኣብ ኤርትራ፣ ብኣህጉራዊ ማዕከን ቆልዑ (UNICEF) ዝተመወለ ክታበት ጸረ ኣንቅጺ ብደረጃ ሃገር ይወሃብ ኣሎ።

እቲ ካብ 15 ሕዳር ኣትሒዙ ብዞባ ማእከል ዝተበገሰ ሰፊሕ ሸፈነ ክታበት ጸረ ኣንቅጺ፣ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት እዚ ኣብ መላእ ሃገር ክቕጽል’ዩ።

ዩኒሴፍ፣ ህወይት ዘድሕን እናተባህለ ዝግለጽ ዝተፈላለየ ክታበታት ዝሓዘት ፍልይቲ ነፋሪት ኣብ መጀመርያ ወርሒ ጥቅምቲ ናብ ኤርትራ ብህጹጽ ምልኣኹ ይዝከር።

እቲ ብህጹጽ ዝተላእከ ክታበት፣ 20 ሽሕ ኪሎ ዝምዘን ኮይኑ፣ 4.3 ሚልዮን መዐቀኒ መድሃኒት ወይ ዶዝ ዘለዎን ንዝተፈላለየ ሕማማት ንምክልኻል ዘገልግልን’ዩ።

ካብዚ እቲ ዝበዝሐ፣ ኣብ ኤርትራ ግኑን ተርእዮ ኮይኑ ንዘሎ ሕማም ኣንቅጺ ወይ መነንጃይትስ ንምክልኻል ዝሕግዝ ክታበት’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ንዝርከቡ ካብ 1 ክሳብ 29 ዓመት ንዝዕድሙኦም 3 ሚልዮን ቆልዑን መንእሰያትን ድማ በዚ ክሳድ ብምድራቕ ክሳብ ሞት ዘብጽሕ ሕማም ከይጥቅዑ ኣብ ምክልካል ክዋፈር ምዃኑ ዩኒሴፍ ኣቐዲሙ ገሊጹ’ዩ።

በዚ መሰረት ድማ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ክታበት ጸረ ኣንቅጺ፣ ብደረጃ ሃገር ይቕጽል ኣሎ።

ጸረ ኣንቅጺን ከም ቫይታሚን ኤን ዝኣመሰለ ክታበታት ንምዕዳል ብደረጃ ሃገራት ልዕሊ 650 ቀዋምን ተንቀሳቓሲን ነቒጣታት ተዳልዩ ከምዘሎ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትር ኣፍሊጡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0