ኤርትራ፣ ብዓብላልነት እትዕወተሉ፣ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣብ ካይሮ ክካየድ’ዩ

Radio Erena: 16 February 2021

ኤርትራ፣ ብዓብላልነት እትዕወተሉ፣ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣህጉር ኣፍሪቃ ካብ 2 መጋቢት ጀሚሩ ኣብ ግብጺ ከተማ ካይሮ ክካየድ’ዩ።

ኣብዚ ካብ 2 ክሳብ 6 መጋቢት ዝካየድ ናይዚ ዓመት’ዚ መበል 16 ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ከም ወትሩ ብኽልቲኡ ጾታታት፡ ኣብ ናይ ጁንዮር፡ ትሕቲ 23 ዓመት ከምኡ’ውን ክፍሊ ልሙዳት ውድድር ክህሉ እዩ።

ኤርትራ ኣብ’ዚ ውድድር ካብ 2010 ኣትሒዛ ብተደጋጋሚ ዓወታት ኣመዝጊባ።

ኣብ ናይ ኤሊት ወይ ልሙዳት ጥራይ እንተድኣ ርኢና፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ 2010፡ ናትናኤል ብርሃነ ኣብ 2011 ከምኡ’ውን ኣብ 2012፡ ተስፎም ዑቕባማርያም ኣብ 2013 ከምኡ`ውን ኣብ 2016፡ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር ኣብ 2018፡ መኽሰብ ደበሳይ ኣብ 2019፡ ሻምፕዮን ውድድር ጽርግያ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኮይኖም።

እዚ ድማ፣ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ካብ ዝተኻየደ 9 ውድድራት፡ ብዘይካ ኣብ ክልተ፡ ኣብ’ቲ ዝተረፈ ሸውዓተ ዓመታት፣ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ እዮም ዘውዲ ሻምፕዮን ደፊኦም።

ውድድር ሻምፕዮን ኣፍሪቃ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ ሞውሪሸስ ክካየድ ተወጢኑ’ኳ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ግን ተሰሪዙ’ዩ።

ብምኽንያት ሕማም ኮቪድ 19፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝካየድ ዝነበረ ውድድር ደው ኢሉ ብምህላዉ፣ ኤርትራ፣ ኣብዚ እባ ካይሮ ዝካየድ መበል 16 ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣህጉር ኣፍሪቃ፣ ኣብ ደገ ብዝወዳደሩ ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ፣ ክትውከል ከምእትኽእል ግምታት ኣሎ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0