ኣብ ትግራይ፣ ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ዝፍጸም ዘሎ ጾታዊ ዓመጽ፣ ኣብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ቁጠዐ ፈጢሩ

Radio Erena: 16 February 2021

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ትግራይ፣ ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ ይፍጸም ከምዘሎ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወግዒ ድሕሪ ምእማኑ፣ ኣብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ቁጠዐ ፈጢሩ።

ድሕሪ’ቲ ብሰራዊት ኤርትራ ተደጊፉ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ምእታው፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ፣ ብዕጡቓት ናይ ዝተደፍራ ደቂንስትዮ ብዝሒ ልዕሊ 130 ከምዝበጽሐ’ዩ ጸብጻብ መንግስቲ ዘመልክት።

እዚ፣ ናብ ፖሊስ ዝቐረብ ጥርዓን ጥራይ ክኸውን ከምዝኽእል ኣብ ግምት ብምእትው፣ ኣብ ትግራይ፣ ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽ እባ ልዕሊ ደቂንስትዮ ካብቲ መንግስቲ ዝተኣመነሉ ብዝተዓጻጸፈ ክዛይድ ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጹ።

ጋዜጠኛን ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላን ዝነበረት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣባል ፓርላማ ቤልጁም ዘላ፣ ኣሲታ ካንኮ፣ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ድቂንስትዮ ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽ ኣመልኪታ ኣብ ዘመሓላለፍትቶ መልእኽቲ፣ ገለ ደቂንስትዮ’ውን መሰረታዊ ነገራት ንምርካብ፣ ምስ ሰራዊት ጾታዊ ርክብ ይግደዳ ምህላወን ወቒሳ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንጾታዊ ዓመጽ፣ ኣብ ትግራይ ከም ፖለቲካዊ መሳርሒ ይጥቐመሉ ኣሎ ዝብሉ ወገናት’ውን ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ይርአ።

እቲ መንግስቲ፣ ንጥሜት ከም መሳርሒ ይጥቐመሉ ከምዘሎ ኣቐዲሙ ክውቐስ ጸኒሑ’ዩ።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0