ኤርትራ፣ ብናጽነት ፕረስ፣ ሎሚ ዓመት’ውን ንሰሜን ኮርያ ጥራይ በሊጻ ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ

Radio Erena: 10 May 2022

ኤርትራ፣ ብናጽነት ፕረስ፣ ካብ 180 ሃገራት ዓለም፣ ንሰሜን ኮርያ ጥራይ በሊጻ ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ።

ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ፣ ብምኽንያት 3 ግንቦት ተዘኪሩ ኣብ ዝወዓለ መዓልቲ ናጻፕረስ፣ ኣብ ዝዘርግሖ ዓመታዊ መዝገብ’ዩ ንኤርትራ፣ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መበል 179 ኣቐሚጡዋ።

ካብ 2001 ኣትሒዛ፣ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ብምዕጻው፣ ሓያሎ ጋዜጠኛታት ብምእሳር እትፍለጥ ኤርትራ፣ ነዚ ዝሓለፈ ኣስታት 20 ዓመታት፣ ብናጽነት ፕረስ ምስተን ዝተሓታ ሰለስተ ሃገራት እናተወዳደረት’ያ ሓሊፋቶ።

ብመሰረት እቲ ኣብ ፓሪስ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ትካል ዘቕረቦ ጸብጻብ ዓመተ 2022 ድማ፣ ሰሜን ኮርያ፣ ኤርትራን ኢራንን ብቅደም ተኸተል ካብ ኣብ ድሕሪት ተሰሪዐን ይርከባ።

ኣብ ኤርትራ፣ ብዘይካ’ቲ ብመንግስቲ ዝውነን፣ 12 ገጻት ዘለዋ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፣ ሓንቲ መደበር ራድዮ ድምጺ ኤፌ ኤምን ሓንቲ ድማ መደበር ቴሌቪዥን፣ ካልእ ብህዝቢ ዝውነን ናጻ ማዕከናት ዜና የለን።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ስደት ዝተመስረታ ማዕከናት ዜናን ሓበሬታን፣ ብተዛማዲ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ሃጓፍ ናጽነት ፕረስ ንምምላእ ጻዕርታት ይገብራ ምህላወን ይፍለጥ።

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት፣ ብናጽነት ፕረስ ኣብ ቅድሚት ዝተሰርዓ ሰለስተ ሃገራት፣ ብቅደም ተኸተል፣- ነርወይ፣ ደንማርክን ሽወደንን’የን።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0