ኤርትራ፣ ብብልሽውና ምስ ቀዳሞት 20 ሃገራት ተሰሪዓ

Radio Erena: 06 February 2023

ኤርትራ፣ ብብልሽውና ካብ 180 ሃገራት ኣብ መበል 162 ተሰሪዓ።

ንብልሽውናን ምጥፍፋእን ሃገራት ዓለም ብምጽናዕ ዓመታዊ ጸብጻብ ዘቕርብ፣ ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል፣ ንናይ 2022 ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ ዝርዝር’ዩ ንኤርትራ ምስተን 20 ቀዳሞት ሰሪዕዋ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ንሶማል እታ ቀንዲ ብልሽውና ዝፍጸመላ ሃገር ኢሉ ቀዳመይቲ ክሰርዓ እንከሎ፣ ክሳብ 20 ኣብ ዘሎ ዝርዝር፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ብሩንዲ፣ ኮሞሮስ፣ ቻድ፣ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ጊኒ ቢሳው፣ ኮንጎ ብራዛቪል፣ ሱዳን፣ ኤርትራን ዚምባብዌን ድማ ካብተን ምስ ቀዳማይ 20 ተሰሪዐን ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ’የን።

ዝወሓደ ብልሽውና ዝፍጸመላ ሃገር ደንማርክ’ያ።

እቲ ትካል፣ ንብልሽውና ከም መምዘኒ ካብ ዝተጠቕመሉ ሓደ ሓደ ነጥብታት፣ ኣጠቓቕማ ስሩዕ ባጀት፣ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ኣብ ኣታዊታት ሃገር፣ ኣጠቓቕማ ሃብቲ ሃገር፣ ከምኡ ድማ ብደረጃ ሰበ ስልጣንን ትካላት መንግስትን ዝፍጸም ዝርገት ሃብቲ ሃገርን ጉቦ ምሃብን ምቕባልን’ዩ።

ኣብ ዓመተ 2021’ውን ተመሳሳሊ ደረጃ ዝነበራ ኤርትራ፣ ምስ ቀዳማይ ብልሽውና ዝፍጸመለን ሃገራት ዘስርዓ ኣውራ ምኽንያት፣ ዘይፍሉጥ ባጀት መንግስቲን ግልጹነት ዘይብሉ ወፍሪን ንግዲን’ዩ።

ኣብ ኤርትራ፣ ማዕረ’ቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝዝውተር ጉቦ ምሃብን ምቕባልን፣ ግኑን ተርእዮ እኳ እንተዘይነበረ፣ ካብዚ ዝሓለፈ 20ዓመታት ግና ንስግረ ዶብ፣ ፓስፖርትን ቪዛን ንምርካብ፣ ብሰበይ ሰብካ ዝወሃብ ሓለፋታት፣ ዝርወትን ምጥፍፋእን ሃብቲ ሃገርን ህዝብን ብሓለፍቲ መንግስቲን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ዝኣመሰለ ብልሽውና ሳዕሪሩ ይርከብ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0