ኤርትራ፣ ቁጠባዊ ሓርነት ምስ ዘይብለን ቀዳሞት ሓሙሽተ ሃገራት ተሰሪዓ

ኤርትራ፣ ቁጠባዊ ሓርነት ምስ ዘይብለን ቀዳሞት ሓሙሽተ ሃገራት ተሰሪዓ

Radio Erena: 18 January 2018

least economic countriesኤርትራ እትርከበን ሽዱሽተ ሃገራት ቁጠባዊ ሓርነት ዘይብለን ተባሂለን ኣብ ድሕሪት ሰፊረን ከምዘለዋ ኣህጉራዊ ጸብጻብ ቁጠባ (Index of Economic Freedom 2017) ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ን180 ሃገራት ኣብ ግምት ብምእታው ብዝዘርግሖ ጸብጻብ መሰረት፣ ብቁጠባዊ ሓርነት ቀዳማይ ቦታ ሒዘን ዘለዋ ሓሙሽተ ሃገራት፣- ሆንኮንግ፣ ሲንጋፖር፣ ኒውዚላንድ፣ ስዊዘርላንድን ኣውስትራልያን ክኾና እንከለዋ፣ በንጻሩ ድማ እተን ዝኸፍአ ቁጠባዊ ሓርነት ዘለወን ሃገራት ኢሉ ብድሕሪ ዘቐመጠን ቀዳመይቲ ሰሜን ኮርያ ኮይና፣ ቬነዙዌላ፣ ኩባ፣ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ኤርትራን ከኣ ይስዕባ።

ቁጠባዊ ሓርነት፣ ንሓፈሻዊ እቶት ዜጋታት፣ ምጥፋእ ድኽነት፣ ንግሉጽን ተሓታትን ምሕደራ መንግስትን ባጀቱን ከምኡ ድማ ደሞክራሲን ቁጠባን ንዝብሉ ነጥብታት ከም መወከሲ ብምውሳድ’ዩ ጸብጻቡ ኣቕሪቡ።

ኤርትራ ንናይ ወጻኢ ወፍሪ ዘተባብዕ ፖሊሲ ኣብ ርእሲ ዘይምህላዋ፣ ንዘቤታዊ ወፍሪ (Demostic Invetstment)’ውን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናቐተለቶ ክትመጽእ ምጽንሓ ይግለጽ።

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ንወፍሪ ካብ ዘይምችኣ ሃገራት ምዃና ባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ኣቐዲሞም ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻባት ምግላጾም ኣይርሳዕን።

መንግስቲ ኤርትራ ካብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ናይ 2017 ኣትሒዙ ኣብ መላእ ሃገር ልዕሊ ሓደ ሽሕ ናይ ብሕቲ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎታት ዓጽዩወን ከምዘሎ ይፍለጥ።

================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0