ኤርትራ፣ መጠን ሸርፊ ዶላር ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ናብ ዝተሓተ ወሪዱ

Radio Erena: 07 May 2020

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ፣ 100 ዶላር ኣስታት 1350 ናቕፋ ይሽረፍ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ብኣንጻር እዚ፣ ኣብ ባንክታት ኤርትራ፣ ሓደ ሚእቲ ዶላር 1500 ናቕፋ ክሽረፍ እንከሎ፣ ካብቲ ናይ ጸሊም ዕዳጋ ብ150 ክሳብ 200 ናቕፋ ይዛየድ።

እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር፣ መጠን ሸርፊ ዶላር ብመንጽር ናቕፋ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ እቲ ዝተሓተ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

መጠን ሸርፊ ናይ ወጻኢ ባጤራታት ብመንጽር ናቕፋ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ዝወረደሉ ምኽንያት፣ ምርግጋእ ቁጠባን ዕዳጋን ዘይኮነ፣ ብሓዋላ ዘሽርፉ ሰባት ከም ድላዮም ክንቀሳቐሱ ብዘይምኽእሎም ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ባጤራ ንምቕያር ብዝብል ዋሕዚ ባጤራ ናቕፋ ንምቁጻር፣ ኣብ ሕዳር 2015 ፣ ገንዘብ ህዝቢ ድሕሪ ምእካቡ፣ ንፍሉይ ኣጋጣሚታት ብፍቓድ መንግስቲ እንተዘይኮይኑ፣ ካብ ባንክታት ክሰሓብ ዝኽእል ዝበዝሐ ጥረ ገንዘብ 5 ሽሕ ጥራይ’ዩ።

ይኹን’ምበር፣ ነጋዶን ህዝቢን፣ ካብ ካልኦት ሃገራት ብመልክዕ ሓዋላ ይኹን ካልእ ንግዳዊ ኣቑሑ ዝኣመሰለ ዝተፈላለየ ሜላታት ክጥቀሙ ጸኒሖም’ዮም።

ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ተተሓሒዙ፣ ምንቕስቓሳት ህዝቢን ዕዳጋን ተደሪቱ ስለዝርከብ ድማ፣ ጠለብ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ጎዲሉ ብኣንጻሩ፣ ናቕፋ ብብዝሒ ይድለ ስለዘሎ፣ መጠን ሸርፉ፣ ኣብ ኤርትራ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ብዝሒ ጎዲሉ ይርከብ።

ስእሊ፣- ሰነዳት ኢንተርነት

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    ሚኪ 4 years ago

    ግርም ኮነ።