ኤርትራ፣ መንግስቲ ኣስታት 40 መንእሰያት ንዝቐዘፈ ሓደጋ ዝኾነ መግለጺ ዘይምሃቡ ህዝቢ ኣቖጢዑ

ኤርትራ፣ መንግስቲ ኣስታት 40 መንእሰያት ንዝቐዘፈ ሓደጋ ዝኾነ መግለጺ ዘይምሃቡ ህዝቢ ኣቖጢዑ

Radio Erena: 16 April 2018

Hadas Erena

መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ ህወይት ኣስታት 40 መንእሰያት ዝቐዘፈን 10ታት ድማ ብኸቢድን ፈኵሲን ዘቑሰለን፣ ብ4 ሚያዝያ ኣብ መንገዲ ሸግርኒ ዘጋጠመ ሓደጋ ዝኾነ መግለጺ ከይሃበሉ ምሕላፉ ንህዝቢ ኣቖጢዑ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

እንተወሓደ ናይ ሓደ መዓልቲ ሓዘን ክእውጅ ኔርዎ ዝበሉ እቶም ምንጭታት፣ እቲ መንግስቲ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ክቕበሩ ካብ ምፍቃድ ሓሊፉ ካልእ ዝኾነ መግለጺ ብዘይምሃቡ ብፍላይ ወለዲ ኣብ ከቢድ ሓዘንን ቁጠዐን ከምዝርከቡ ጠቒሶም።

ብኣንጻር እዚ፣ ብመንግስቲ ዝውነን ማዕከን ዜና፣ ህይወት ናይቶም መብዛሕቶምተገፊፎም ኣብ ተሃድሶን ታዕሊም ዝጸንሑ ኣስታት 40 ኣባላት ሰራዊት ዝቐዘፈ፣ ኣብ መንገዲ ሸግርኒ ዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ብምጉሳይ፣ ኣብቲ ቅንያት’ቲ ኣብ ኣልጀዝርያ ንዘጋጠመ፣ ሓያሎ ወትሃደራት እታ ሃገር ዝለከመ ሓደጋ ነፋሪት ብዜንኡ ምቅልሑ፣ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ዘለዎ ርኡይ ንዕቀት ዘጉልሕ ምዃኑ እቶም ምንጭታት ኣመልኪቶም።

ከምዚ ዓይነታት ሓደጋታት ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሰራዊት ተደጋጋሚ ከምዘጋጥም ብምዝኽኻር፣ እቲ መንግስቲ መብዛሕትኡ እዋን፣ ነቲ ሓደጋታት ከምዘይነበረ ክኽውሎ ብምፍታን፣ ንስድራቤታት “ደቅኹም ተሰዊኡም” እናበለ ጥራይ ከምዘርድኦም ኣነጺሮም።

ቅድሚ ሕጂ’ውን ኣብ መንገዲ ከረን ብዘጋጠመ ሓደጋ፣ ናብ ታዕሊም ዝወርዱ ዝነበሩ ልዕሊ 40 ተማሃሮ ዞባ ደቡብ ከምዝሞቱ ዝዝከር’ዩ።

ኣብቲ እዋን’ቲ’ውን እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ንሓንቲ መዓልቲ’ውን ትኹን ናይ ሓዘን መዓልቲ ኣይኣወጀን።

ኣብ ላምፔዱሳ ኣብ ዘጋጠመ ልዕሊ 360 ኤርትራውያን ዘህለቐ ሓደጋ ባሕሪ፣ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ሓዘን መዓልትን ዝኽርን ክውድባ እንከለዋ፣ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ስድራቤታት ኣብ ከቢድ ሓዘን ዝሸመመ ፍጻሜ ከምዘይነበረ ክሓልፎ ምፍታኑ’ውን ኣይርሳዕን።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0