ኤርትራ፣ ሓያሎ ወነንቲ ንኣሽቱ ትካላት ብዝተሰልዓሎም ግምታዊ ግብሪ ትካሎም ይዓጽዉ

ኤርትራ፣ ሓያሎ ወነንቲ ንኣሽቱ ትካላት ብዝተሰልዓሎም ግምታዊ ግብሪ ትካሎም ይዓጽዉ

Radio Erena: 13 March 2018

Asmara Stationary

ኣብ ኤርትራ፣ ሓያሎ ወነንቲ ንኣሽቱ ትካላት ዝተሰልዓሎም ግምታዊ ግብሪ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ብምዃኑ ትካላቶም ጠቕሊሎም ክዓጽዉ ከምዝወሰኑ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

መንግስቲ ኤርትራ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ድሕሪ ዘተኣታተዎ ናይ ወነንቲ ትካላት ሰነድ ናይ ምጽራይ፣ መስርሕ፣ ጎኒ ጎኑ ድማ፣ ነቶም ኣታዊታቶም ብንጹር ክፈልጥ ዘይክኣል ከም ንኣሽቱ ድኳናት፣ ኣብያተ ሻሂን መሸጣ መጻሕፍትን ዝኣመሰሉ ትካላት ዝሰልዖ ግምታዊ ግብሪ፣ ካብ ኣታዊታቶም ንላዕሊ ምዃኑ ከማርሩ ጸኒሖም’ዮም።

ብሰንኪ እዚ ዝተሰልዐ ግምታዊ ግብሪ፣ ሓያሎ ካብዘን ትካላት ጠቕሊለን ክዓጽዋ ዝወሰና ኣለዋ።

እቲ መንግስቲ ኣቐዲሙ፣ ከም ሆቴላትን ኣብያተ መግብን ንዝኣመሰላ ናይ ዓበይቲ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎታት፣ ዘዋህለልኩሞ ባጤራ ናቕፋ ናብ ባንክ ኣየእተኹምን ከምኡ ድማ ዘይሕጋዊ ሸርፍን ሓዋላን ተካይዱ ኣለኹም ክብል ካብ ወርሒ ክሳብ 8 ኣዋርሕ ዝግመት ናይ ምዕሻግ ስጉምቲ ከምዝወሰነሎም ይፍለጥ።

ሓያሎ ካብዘን ትካላት፣ ድሕሪ’ቲ ክዕጸዋሉ ዝተወሰነለን ግዜ፣ ግምታዊ መቕጻዕቲ ድሕሪ ምኽፋለን ተኸፊተን ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ይርከባ።

ስርዓትን ውዳበ ጠፊእዎ ዘሎ ምሕደራ መንግስቲ ኤርትራ፣ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝኣክል ክፍሊት ሃልኪ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ከይኣከበ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ምምቕራሕ ውህሉል ክፍሊት ብዝብል ናብ ህዝቢ ኣቕሪብዎ ዘሎ ዕዳ፣ ንህዝቢ ከማርር ጌርዎ ምህላዉ ምቅልሑ ይዝከር።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0