ኤርትራ፣ ሓያሎ ኣብያተ ትምህርቲ ብሰንኪ ዋሕዲ መማህራን ስሩዕ ንጥፈታት ከምዘይጀመራ ተገሊጹ

ኤርትራ፣ ሓያሎ ኣብያተ ትምህርቲ ብሰንኪ ዋሕዲ መማህራን ስሩዕ ንጥፈታት ከምዘይጀመራ ተገሊጹ

Radio Erena: 26 September 2018

Schools in Eritrean village

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ኣብ ዝጀምረ ስሩዕ ናይ ምምሃርን ምስትምሃርን ንጥፈታት ኣካዳምያዊ ዓመተ ትምህርቲ 2018-2019፣ ኣብ ዞባታት ደቡብ፣ ዓንሰባን ባርካን ዝተመደቡ መማህራን ኣብ ቦትኦም ክርከቡ ብዘይምኽኣሎም፣ ሓያሎ ኣብያተ ትምህርቲ ኣገልግሎታተን ክጅምራ ከምዘይክኣላ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ ዓይነት ምድንጓያት ዓመት መጸ ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ኣውራ ጠንቂ ናይዚ ዋሕዚ ናብ ስደትን ብኢደ ዋኒንካ ካብ ስራሕ ናይ ምብኳር ወይ ምኹብላል መማህራን ምዃኑ ኣፍሊጦም።

ሚኒስትሪ ትምህርቲ ነዚ ብሰንኪ ዋሕዚ ናብ ስደት ዓመታዊ ዘጋጥሞ ዘሎ ዋሕዲ መማህራን ንምትካእ፣ ካብ ሳዋ፣ ማይ ነፍትሕን ካልኦት ትካላትን ዝተመደቡ ሓደስቲ ኣባላት ናብ ምምህርና ዘዋፍር እኳ እንተኾነ፣ መብዛሕቶም ብይእኹል ብቕዓትን ፍቕሪ ሞያ ምምህራንን ዝዋፈሩ ብምዃኖም ነቲ ዓመታዊ ዝርአ ጸገማት ክፈትሕ ከምዘይክኣለ ይግለጽ።

ምስ ምኽፋት ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ሓያሎ መማህራን ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምስጋሮም ዛጊት ክምለሱ ከምዘይክኣሉ እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ይጠቕሱ።

ኣብ ኤርትራ፣ ብሰንኪ ዋሕዚ ናብ ስደት ብኸቢድ ካብ ዝተዋህስየ ጽልታታት ትምህርትን ጥዕናን ኣብ ቅድሚት ከምዝስራዕ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0