ቻይና፣ ንኩባንያ ኔቭሰን ብ1.4 ቢልዮን ዶላር ወኒናቶ

ቻይና፣ ንኩባንያ ኔቭሰን ብ1.4 ቢልዮን ዶላር ወኒናቶ

Radio Erena: 26 September 2018

Zijin Nevsun

ብመንግስቲ ቻይና ዝውነን ኩባንያ ዕደና ዚጂንግ፣ ንኩባንያ ዕደና ኔቭሰን ብ1.4 ቢልዮን ዶላር ከምዝዓደገቶ ፋይናንሻል ታይምስ ኣፍሊጡ።

ቻይና፣ ነቲ ኣብ ኤርትራን ሰርብያን ኣብ ዕደና ውርቂን ነሓስን ዝነጥፍ ዘሎ ናይ ካናዳ ኩባንያ ኣብ መጀመርያ ወርሒ መስከረም ከምዝዓደገቶ’ዩ ተሓቢሩ።

ኣቐዲሙ ናይ ሽወደን ኩባንያ ሉንዲን፣ ንኩባንያ ኔቭሰን ንምዕዳግ ዘቕረቦ መጠን ገንዘብ ብኔቭሰን ከምዝተነጽገ ይዝከር።

ኩባንያ ኔቭሰን፣ ኣብ ቢሻ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ዕደና ወርቂ፣ ብሃገራዊ ኣገልግልት ተመዲቦም ንዝመጽእዎ ኤርትራውያን፣ ብናጻ ኣብ ናይ ጉልበት ስራሕ ብምውፋሩ ኣብ ካናዳ፣ ቤት ፍርዲ ኮሎምብያ ክሲ ተመስሪትዎ ከምዘሎ ይፍለጥ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0