ኤርትራውያን ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ፣ ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ዝተኻየደ ውድድራት ዝንኣድ ውጽኢት ኣመዝጊቦም

Radio Erena: 23 February 2021

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ፡ ኣብ ዘካየድዎ ውድድር ዝነኣድ ውጽኢት ኣመዝጊቦም።

ካብ19 ክሳብ ለካቲት፡ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተሰላሰለ፡ 3 መድረኻትን ልዕሊ 490 ኪሎ ሜትር ርሕቐትን ኣብ ዝሸፈነ፡ መበል 53 ወድድር Tour des Alpes Maritimes et du Var፡ ምስ ወዲ ጋንትኡ ያቆብ ደበሳይ ኮይኑ ዝተሳተፈ፡ ተቐዳዳማይ ፈረንሳዊት ክለብ ዴልኮ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ካልኣይ መድረኽ ምስ ካልኦት 6 ተቐዳደምቲ ብምምላጥ፡ ክሳብ ዓባይ ጉጅለ ኣብ ኣጋ መወዳእታ እትሕወሶም፡ ልዑል ናይ ምህዳም ተራ ኣብ ርእሲ ምጽዋቱ፡ ነተን ኣብ’ቲ ዕለት ተዳልየን ዝነበራ፡ 2 ናይ ዓቐብ ቅጽበታዊ ውድድራት ተዓዊቱለን።

ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ከኣ፡ ኣብ’ቲ ዕለት ቀይሕ ማልያ ንጉስ ዓቐብ፡ ካብ ላቲቭያዊ ክሪስትስ ናይላንድስ መንጢሉ፡ ነታ ማልያ ለቢስዋ ናብ ሳልሳይ መድረኽ ኣትዩ።

ቢንያም ኣብ ሳልሳይን ዛዛሚን መድረኽ ነዛ ማልያ ንኔዘርላንዳዊ ማርቲን ቱስፈልድ ብምርካብ፣ ብ16 ነጥቢ ራብዓይ ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ፈጺሙ።

ብውህሉል ግዜ፡ ነዚ ዙር ኢጣልያዊ ተቐዳዳማይ ኣሜሪካዊት ክለብ፡ ትሬክ-ሴጋፍሬዶ፡ ጅያንሉካ ብራምቢላ ጐብለል ኮይኑ።

ቢንያም ግርማይ መበል 102፡ ያቆብ ደበሳይ ድማ መበል 112 ተርታ ሒዞም።

ኣብ ካልእ ውድድራት ድማ፣ ማልያ ማሌዥያዊት ክለብ ቴሬንጋኑ ለቢሱ ኣብ ምቕድዳም ዝርከብ መትከል እዮብ፡ ብ21 ለካቲት፣ ኣብ ቱርኪ፡ 104.5 ኪሎ ሜትር ኣብ ዝተጓዓዘ፡ ክላሲካል ውድድር Grand Prix Velo Alanya ኣብ ዝገበሮ ቅድድም፡ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ትርኑዕ ዓወት ኣመዝጊቡ።

ኣብ’ዚ ውድድር ወዲ ጋንትኡ ንመትከል ኮሎምብያዊ ተቐዳዳማይ ካርሎስ ኲንታሮ’ዩ ቀዳማይ ብምዃን ሕንጻጽ ረጊጹ።

ከም መርኣያ ናይ’ዚ ከኣ፡ ክለብ ቴሬንጋኑ፡ ንክልተ ተቐዳደምታ ኣብ ፖድየም ሽልማት ከተሕኩር በቒዓ።

ብዘይካ’ዚ መትከል፡ ብ20 ለካቲት ‘ውን፣ ማሌጃዊ ወዲ ክለቡ ሞሓድ ሓሪፍ ሳልሕ ኣብ ዝተዓወተሉን፡ 147.5 ኪሎ ሜትር ኣብ ዝሸፈነን ክላሲካል ውድድር Grand Prix Velo Manavgat ተወዳዲሩ፣ ንቅድድሙ መበል 134 ኮይኑ ወዲእዎ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ብውሕዱ ትሽዓተ ኤርትራውያን ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ፣ ምስ ዝተፈላለያ ዓበይቲ ክለባት ዓለምና ተጠርኒፎም፣ ኣብ ኣህጉራዊ ቅድድማት ይወዳደሩ ምህላዎም ይፍለጥ።
=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0