“ኢትዮጵያ፡ ንሱዳን ምንሻዋ ይቕረ ዘይብሃሎ’ዩ” ሚ/ጉ/ወጻኢ ሱዳን

Radio Erena: 23 February 2021

ኢትዮጵያ፡ ምስ ሱዳን ተፈጢሩ ንዘሎ ኩነታት ተጋድድ ከምዘላ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ወቒሱ።

እቲ ሚኒስትሪ፡ ኣብዚ ሳልስቲ’ ዚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ሱዳን፣ ንረብሓ ግብጺ ተባሂሉ ናይ ውክልና ኵናት’ያ ትኸፍት ዘላ ንዝብል ክሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምንጻግ፣ እቲ መንግስቲ ንሱዳን የናሹ ኣሎ ክብል ኣተሓሳሲቡ።

እዚ ድማ ይቕረ ዘይብሃሎ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኸምዚ እንተቐጺሉ ድማ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ክሰጉግ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ብዘይካ’ዚ፣ እቲ መንግስቲ፣ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደጋ ካብ ምእታዊ ክቑጠብ ጸዊዑ።

ሱዳን፣ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣአንጊዳ ከተብቅዕ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኣንጻሩ፣ ኣብ ሉኣላዊ መሬት ሱዳን ከጥቅዕ ቅቡል ከምዘይኮነ እቲ መግለጺ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ሱዳን፣ ካብ 2011 ኣትሒዙ፣ መብዛሕቶም ካብ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኣስታት 5 ሽሕ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ተዋፊሮም ይርከቡ።

ብጉዳይ ዶባ ኣብ ምስሕሓብ ዝርከባ ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ጸጸኒሐን ግጭት የካይዳ ከምዘላ’ዩ ዝሕበር።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0