ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ንክፍትሑ፣ ው.ሕ.ሃ. ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ጸቕጢ ክገብር ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: 24 July 2022

መንግስቲ ኤርትራ ኣሲሩዎም ዘሎ ጋዜጠኛታት ደሃዮም ከፍልጥ ዝጽውዕ ጥርዓን፤ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀሪቡ።

ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ፤ ኮሚቴ ምጥባቕ ጋዜጠኛታት፤ ፐን ኢንተርናሽናልን ካልኦት ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ መሰላትን ብሓባር ዘቕረብዎ ጥርዓን፤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፤ መንግስቲ ኤርትራ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣሲሩዎም ዘሎ ጋዜጠኛታት ደሃዮም ከፍልጥ ኩሉ ዓይነት ጸቕጢ ክገብር ንምጽዋዕ ዝዓለመ ምዃኑ ተገሊጹ።

‘እዞም መንግስቲ ኤርትራ ኣሲሩዎም ዘሎ ጋዜጠኛታት፤ ኣብ ዓለም እቶም ንዝነውሐ ግዜ ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት እዮም’ ዝብል ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ፤ ‘ነዚ ጥርዓን’ዚ ብምቕራብ፤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እዞም ግዳያት ክፍትሑ ጻዕርታቱ ከዛይድ ብምእማን’ዩ’ ኢሉ። መንግስቲ ኤርትራ ሓደ ካብ ቀዳሞት ረገጽቲ ፕረስ ጥራይ ዘይኮነ፤ ዝኣሰሮም ጋዜጠኛታት ደሃዮም ኣብ ዘይርከብ መዳጎኒ ቀዪዱ፤ ምስ ስድራቤቶም እውን ከምዘይራኸቡ ገይሩ ብሕሱም ጭካነ ብምሓዙ ተደጋጋሚ ክስታት ክቐርበሉ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ 2020 ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ፤ ንኤርትራዊ ሽወደናዊ ዳዊት ኢሳቕ ጉዳይ ብዝምልከት ኣብ ቤት ፍርዲ ሽወደን ክረኤ፤ ጥርዓን ኣቕሪቡ እኳ እንተነበረ፤ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ሽወደን ነቲ ጥርዓን ኣይተቐበሎን።

ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ዝቐንዐ ተመሳሳሊ ጥርዓናት፤ ናብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ እውን ቀሪቡ ኔሩ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0