ኣልሸባብ ናይ ሶማል፣ ዶብ ሰጊሩ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ኣጥቂዑ

Radio Erena: 24 July 2022

ኣልሸባብ ናይ ሶማል፤ ኣብ ዶብ ዝርከባ ቁሸታት ኣብ ዘጥቅዓሉ እዋን፤ ምስ ፍሉይ ሓይሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ውግእ ከምዝተጸመደ፤ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

ሮይተርስ ብወገኑ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፤ ኣልሸባብ ዶብ ሰጊሩ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክዋጋእ ንመጀመሪያ እዋኑ ምዃኑ ብምግላጽ፤ ብርክት ዝበሉ ኣባላቱ ከምዝኸሰረ ኣፍሊጡ።

ኣልሸባብ፤ ብዕለት 20 ሓምለ ዪድን ኣቶን ዝተባህላ ቁሸታት ኣብ ዘጥቃዓሉ እዋን፤ ሰለስተ ሲቪል ነበርቲ’ተን ቁሸታትን 14 ወተሃደራት ኢትዮጵያን ከምዝቐተለ፤ ወሃብ ቃል’ቲ ጥሩፍ ጉጅለ ንሮይተርስ ሓቢሩ።

ሓለፍቲ ኣብቲ ዶብ ዓስኪሩ ናይ ዝርከብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብወገኖም፤ ብውሑዱ 63 ኣባላት ኣልሸባብ ከምዝተቐትሉ ገሊጾም።

እቲ ጥሩፍ ጉጅለ፤ ምስ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ተጠርኒፎም ምስ ዘለዉ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ዝገጥም እኳ እንተኾነ፤ ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ መጥቃዕቲ ከካይድ ግና፤ ዘይከም ኣብ ኬንያን ዩጋንዳን፤ ንፈለማ እዋኑ’ዩ።

ቀንዲ ምኽኒያት ናይዚ፤ ኣልሸባብ፤ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል’ታ ሃገር ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ተጸሚዱ ምህላዉ፤ ተዳኺሙ’ሎ ኢሉ ስለዝኣመነ እዩ ክብሉ ወተሃደራውያን ተንተንቲ ይገልጹ።

ኢትዮጵያ ምስ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተጠርነፈ፤ ናብ 4 ሽሕ ዝጽቃዕ ብዝሒ ሰራዊት ኣዋፊራ ትርከብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0