ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ ደገፍቲ ህግደፍን ሽወደናውያን ጋዜጠኛታትን ዝተሳተፍዎ ናይ ዘተን ክትዕን መድረኽ ተኻይዱ

ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ ደገፍቲ ህግደፍን ሽወደናውያን ጋዜጠኛታትን ዝተሳተፍዎ ናይ ዘተን ክትዕን መድረኽ ተኻይዱ

Radio Erena: 16 June 2016

Blank spot

ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ ደገፍቲ መንግስትን ሽወደናውያን ጋዜጠኛታት ዝተሳተፍዎ ናይ ናይ ዘተን ክትዕን መድረኽ ብ14 ሰነ ኣብ ከተማ ስቶኮልም ከምዝተኻየደ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብታ ከተማ ሓቢሩ።

እቲ ‘ብላንክ ስፖት’ ብዝተባህለ ናይ ሜድያ ማአከል ዝተዳለወ ናይ ዘተ መኣዲ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተቐይዶም ዝነበሩ ማርቲን ሽብየን ዮሃን ፐርሾንን ዝተብሃሉ ክልተ ሽወደናውያን ጋዜጠኛታት፣ ኣብ ምጥባቕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ኤርትራያን ጋዜጠኛታት ካብ ዝነጥፋ ዘለዋ ማሕበራት፣ ቫነሳ በርሀን ካብ ዋን ደይ ስዩምን ሌይፍ ኦብሪንክ ካብ ፍሪ ዳዊትን ተሳቲፎም።

ንመንእሰያት ህግደፍ ዝወከለ ፍትሓዊ መሓሪ’ውን ኣብቲ ዘተ ክሳተፍ እንከሎ፣ ተሳተፊ ኣብ ህልው ኩነታት ኤርትራ ብዝምልከት ንኣስታት ክልተ ሰዓታት ዘተን ክትዕን ኣካይዶም።

 

ኣብቲ ናይ ዘተን ክትዕን መድረኽ፣ ኣስታት 30 ዝኾኑ ወከልቲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደንን ኤርትራውያን ዕዱማትን ተረኺቦም።

ኣብ ከባቢ ኦጋዴን ንዘሎ ኩነታት ብኣካል ምዕዛብን ጸብጻብ ንምድላዋ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ምስ ኦጡቓት ኦጋዴን ተጸንቢሮም ኣብ 2011 ናብቲ ዞባ ድሕሪ ምእታዎም ብሓይልታት ኢትዮጵያ ተታሒዞም ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተቐይዶም ዝነበሩ ሽወደናውያን ጋዜጠኛታት ማርቲን ሽብየን ዮሃንን ፐርሾንን ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ኤርትራ ከምዝበጽሑ’ውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ሓቢሮም።

ንሳቶም ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን፣ ንህሉ ኩነታት ኤርትራ ክዕዘቡ ከምዝኽአሉ ብምጥቃስ፣ ሃለዋት ናይቲ ናይ ኤርትራን ሽወደንን ድርብ ዜግነት ዘለዎ ጋዜጠኛ ዳዊት ይስሓቕ ከረጋግጹ ከም ዘይከኣሉ ገሊጾም።

ኤርትራ ንዘሎ ኩነታት ብዝምልከት፣ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን ደገፍቲ ህግደፍን በብወገኖም ኣብ ዘካየድዎ ክትዕ ከኣ፣ እቶም ደገፍቲ ህግደፍ ጉዳይ ዶብን ግዳማዊ ተጻብኦታትን ከም ኣውራ ጠንቕታት ከቕርብዎ እንከለዉ፣ ደለይቲ ፍትሒ ከኣ በንጻሩ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕሰም ኣውራ ጠንቑ መላኺ ስርዓት ብምንጋሱ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ።
=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0