ስዊዘርላንድ፣ ናብ ኤርትራ ክመላለሱ ንዝጸንሑ ሸውዓተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ዑቕባ መሰሎም ኣሕዲጋ

ስዊዘርላንድ፣ ናብ ኤርትራ ክመላለሱ ንዝጸንሑ ሸውዓተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ዑቕባ መሰሎም ኣሕዲጋ

Radio Erena: 15 June 2016

swiss

ስዊዘርላንድ፣ ኣብታ ሃገር ዑቕባ ሓቲቶም ክነሶም ናብ ኤርትራ ክመላለሱ ንዝጸንሑ ሸውዓተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ዑቕባ መሰሎም ኣሕዳጋቶም።

መንግስቲ እታ ሃገር፣ ኣብ ስዊዘርላንድ ዑቕባ ዝተዋህቦም ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ይመላለሱ ምህላዎም ዘረጋግጽ መርትዖ ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ናይ ዑቕባ መሰሎም ከሕድግ ምዃኑ ደጋጊሙ ከጠንቅቕ ጸኒሑ’ዩ።

’20 ደቓይቕ ዝተባህለት’ ጋዜጣ ኣብ ዘቕረብቶ ጸብጻብ ከኣ፣ መንግስቲ ስዊዘርላንድ፣ ካብ 2015 ኣትሒዞም ናብ ኤርትራ ክመላለሱ ከምዝጸንሑ ብመርትዖ ንዝሓዞም ሸውዓተ ኤርትራውያን፣ ናይ ዑቕባ መሰሎም ከምዘሕደጎም ኣረጋጊጻ።

 

እዚ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ወሲድዎ ዘሎ ስጉምቲ፣ ኣብታ ሃገር ዑቕባ ሓቲቶም ንዝነብሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዓቢ መጠንቐቕታ ምዃኑ’ውን እታ ጋዜጣ ኣስሚራትሉ።

ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዑቕባ ዝሓተቱ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ክልተ ካብ ሚእቲን ካልእ ዝሕተት ክፍሊትን ብምኽፋል ካብ ኤምባሲ ኤርትራ መንነት ወረቐትን ፓስፖርትን ብምውጻእ፣ ብመንገዲ ሱዳንን ካልኦት ሃገራትን ናብ ኤርትራ ከምዝመላለሱ ዝፍለጥ’ዩ።

ናይ ክብሪ ቆንስል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድ ዶክተር ቶኒ ሎሸ’ውን ነዚ ሓቂ’ዚ ንጋዜጣ 20 ደቓይቕ ኣረጋጊጹላ ኣሎ።

ስዊዘርላንድ ካብተን ዜግነት ዘይህባ ሃገራት ኤውሮጳ ምስ ምዃና፣ መብዛሕቶም ናብ ኤርትራ ዝመላለሱ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምዃኖም ይፍለጥ።

ስለዚ’ውን ዋላ’ኳ ገሊኦም ኤርትራውያን ንልዕሊ 15 ዓመታት ኣብታ ሃገር ዝተቐመጡ እንተኾኑ፣ ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ክመላለሱ ኣይፍቐድን።

ብመሰረት ኣህጉራዊ ውዕል ስደተኛታት፣ ዝኾነ ስደተኛታ ናብታ መበቆል ዓዱ ክምለስ እንተኽኢሉ ናይ ዑቕባ መሰሉ’ዩ ዝሕደግ።

እዚ ስዊዘርላንድ ወሲዳቶ ዘላ ስጉምቲ ኣብ ከም በዓል ነርወይን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን’ውን ክትግበር ከምዝኽእል’ዩ ዝግለጽ።

==============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0