ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፣ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ብረዚን ሓላፍነት ዘኪሮማ ውዒሎም

ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፣ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ብረዚን ሓላፍነት ዘኪሮማ ውዒሎም

Radio Erena: 23 June, 2014

Mar

ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውትያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ብክብ ዝበለ ረዚን ሓላፍነት ዘኪሮማ ውዒሎም።

ካብ ኢትዮጵያ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣመሪካ፣ ሃገራት ኤውሮጳን ካልኦት ሃገራትን ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ብምኽንያት እዛ ዕለት ናብ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝልኣኽዎን ዝልእክዎ ዘለውን መልእኽታት፣ መብጻዓ ሰማእታት ኤርትራ ዝትግበር፣ ኤርትራ ደሞክራስዊ መንግስትትትትቲ ምስ እትተክልን፣ ዜጋታታ ድማ ብሕእርነትን ሰብኣዊ ክብርን ምስ ዝነብሩ ጥራይ’ዮም ክብሉ ኣስሚሮም።

 

በዚ መሰረት፣ ነዛ ረዛን መዓልቲ ንምዝካር ካብ ጀዛን፣ ጣይፍ፣ ርያድን ደማምን ኣብ ከተማ ጅዳ ዝተኣኻኸቡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝምቕማጦም ኤርትራውያን መንእሰያት ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ኣብ ኤርትራ ምልኪ ኣብ ዝሓጸረ ዝእለየሉን ደሞክራስዊ ዝሰፍነሉን መስመር ንምትካልእ ብምኽንያት 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ማሕላ ንኣቱ ክብሉ ኣረጋጊጾም።

ጎኒ’ጎኒ’ዛ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ናይ ክብሪ ቦታ ዘለዋ ዕለት፣ ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዝቃናዕ ዝነበረ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ዝግምግም ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት’ውን፣ ሓያሎ ኤርትራውያን መንእሰያት፣ እቲ ጠንቒ ስደት ኮይኑ ዘሎ ናይ ዝገኢ ገደብቭ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ደው ክብል ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብ ኣመሪካ፣ ኤውሮጳን፣ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ’ውን ን20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ናይ ሽምዓ ሰልፊን ካልእ ንጥፈታትን ብምክያድ ብኽብሪ ዘኪሮማ ውዒሎም።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0