ካናዳ ብሰንኪ ምእካብ ዘይሕጋዊ 2%፣ ንቆንስል መንግስቲ ኤርትራ ክትዓጽዎ ከምእትኽእል ተጠንቕቕ

ካናዳ ብሰንኪ ምእካብ ዘይሕጋዊ 2%፣ ንቆንስል መንግስቲ ኤርትራ ክትዓጽዎ ከምእትኽእል ተጠንቕቕ

Radio Erena: 23 June, 2014

 Eri Consulመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ካናዳ ካብ ዝርከቡ ኤርትራውን ዝእክቦ ዘይሕጋዊ ክልተ ካብ ሚእቲ ይቕጽሎ ከምዘሎ ብመርትዖ እንተተረጋጊጹ፣ ካናዳ ተወሳኺ ስጉምቲ ክትወስድ ከምእትኽእል ተጠንቕቕ።

ማዕከናት ዜና ካናዳ ብዘቕርብኦ ዘለዋ ጸብጻባት፣ ኣብ ቶሮንቶ ዝርከብ ቆንስል መንግስቲ ኤርትራ ነቲ መንግስቲ ካናዳ ዘውጽኦ ውሳኔ ብምጥሓስ፣ ኣብ ሃገር ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ክልተ ካብ ሚእቲ ካብ ኣታዊታቶም ክኸፍሉ የገድድ ከምዘሎ ጭብጥታት ብምስናይ ገሊጸን።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ካናዳ ነቲ ጉዳይ ኣብ ምጽራይ ከምዝርብ ዝሓበረ ናሽናል ፖስት ድማ፣ እዚ ሓቒ ኮይኑ እንተተረኺቡ ነቲ ቆንስል ክሳብ ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ክውሰድ ከምዝኽእል ኣምልኪቱ።

 

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ካናዳ ነዚ ኣብ ምጽራይ ከምዘሎ ዝሓበረ ኣፈኛ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጆን ባይርድ ዝኾነ ኣዳም ሆጅ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ብንጹር ስለዝሓበርናዮ፣ ብኡ እንተዘይተቐይዱ ድማ ኣድላዩ ስጉምቲ ክንወስድ ክንግደድ ክብል ደምዲሙ።

መንግስቲ ካናዳ ዝሓለፈ ዓመት ብተመሳሳሊ ክሲ ኣብታ ሃገር ንዝነበረ ቆንስል መንግስቲ ኤርትራ ከምዝሰጎጎ ኣይርሳዕን።
=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0