ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ኣብ ኒውዮርክ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ኣብ ኒውዮርክ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

Radio Erena: 30 October 2015

Eri Demo

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካኝ ካናዳን ዝነብሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ንዘቕረበቶ ጸብጻብ ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽን፣ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንምጉላሕን ትማሊ 29 ጥቅምቲ ኣብ ኒው ዮርክ፣ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብቲ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ኣቦታት፣ ኣዴታትን ዝበዝሑ ድማ መንእሰያት ዝተረኽብሉ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ሰልፈኛታት ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ምልካዊ ስርዓት ዝኹንን ዝተፈላለየ ጭርሖታት ብምልዓል፣ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ደሃዮም ጠፊኡ ናይ ዘሎ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ኣሳእል’ውን ኣልዒሎም።

 

መንግስቲ ኤርትራ፣ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይፍለጥ ብዙሓት ኤርትራውያን ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ደሃይም ጠፊኡ ከምዘሎ ይፍለጥ።

እቲ ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝርከበሉ ከተማ ኒውዮርክ ዝተኻየደ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ፣ድማ ኣብ ክንዲ’ዞም ደሃዮም ጠፊኡ ዘሎ ኤርትራውያን እሱራትን ኣብ ክንዲ’ቲ ኣብ ኤርትራ ልሳኑ ተዓቢሱ ዘሎ ህዝቢ ብምዃን፣ ስቃይ ህዝቢ ንምቅላሕ ዝዓለም ምዃኑ ወደብቱ ይገልጹ።

መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘሎ ብምርግጋጽ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ሓያሎ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ክኽሰሱ ከምዝኽእሉ ምጥቃሳ ኣይርሳዕን።

500 ገጻት ዝሓዘ ጸብጻብ እታ ኮሚሽን፣ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላትን ማሕበረ ሰብ ዓለምን ድሕሪ ምዝርግሑ፣ ኣብ ኤውሮጳ ዝርከቡ ኣሽሓት ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ ብ26 ሰነ 2015 ኣብ ስዊዘርላንድ ከተም ጀኔቫ ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ብምትእኻብ፣ ነቲ ጸብጻብ ዘለዎም ደገፍ ገሊጾም’ዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን’ውን፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃን ሕብረት ኤውሮጳን ብምትእኽኻብ፣ ተመሳሳሊ ሰልፊ ምክያዶም ይዝከር።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከቡ ኤርትራውያን ከኣ ምስዚ ኣብ ጄኔቭን ኣዲስ ኣበባን ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፍታት ብዝምለሳስል መልክዕ፣ ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝሳተፍዎ ሰለማዊ ሰልፊ ንምውዳብ ናብ ኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ጻውዒት ከቕርቡ ከምዝወርሑ ይፍለጥ።

እዚ ኤርትራውያን ነብርቲ ኣመሪካ ሎሚ ዘካይድዎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ሒደት መዓልታት ድሕሪ’ቲ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክናዋሕ ዝወሰነሉ ዕለት’ዩ ዝካይድ ዘሎ።

መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ይፍጽሙ ከምዘለዉ ንምርግጋጽ ዘኽእላ ናይ ሓደ ዓመት ተወሳኺ ግዜ ተዋሂቡዋ፣ መጽናዕቲ ኣብ ምክያድ ትርከብ።
===================================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0