ኤርትራውያን ዝርከብዎም 606 ስደተኛታት ካብ ሓደጋ ባሕሪ ድሒኖም

ኤርትራውያን ዝርከብዎም 606 ስደተኛታት ካብ ሓደጋ ባሕሪ ድሒኖም

Radio Erena: 15 October 2017

libya_sdetenatatኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 606 ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝኾኑ ስደተኛታት፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ዘጋጠሞም ናይ ሞት ሓደጋ ድሒኖም ክብላ ማዕከናት ዜና ኢጣልያ ሓቢረን።

እቶም ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ካብ ሓደጋ ሞት ዘምለጡ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ 241 ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ከምኡ’ውን 11 ነፍሰጾራት ከምዝርከብዎም ካብ ኢጣልያ ዝተመሓላለፈ ዜና የመልክት።

ዝበዝሑ ካብቶም ስደተኛታት ዜጋታት ኤርትራ፣ ግብጺ፣ ሱዳን፣ ማሊ፣ ኣይቮሪ ኮስት፣ ናይጀሪያ፣ ጋናን ጋምቢያን ከምዝርከብዎም’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኣቐድም ኣቢሉ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ዝነጥፉ ሚሊሻታት ሊብያ ንሓድሕዶም ብዝኸፈትዎ ቶዅሲ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓያሎ ስደተኛታት ግዳያት ሞትን መቝሰልትን ምዃኖም ብሬድዮ ኤረና ምቅልሑ ዝዝከር’ዩ።

ሓያሎ ካብ’ዞም ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዝደሓኑ ስደተኛታት ብዋሕዲ መግብን ማይን ዝተሳቐዩ ክኾኑ እንከለዉ፣ ብዙሓት ደቀንስትዮ’ውን ጾታዊ ዓመጽ ከምዝወረደን ይግለጽ።

እዞም ኣብ ፓለርሞ ንግዚኡ ተዓቚቦም ዘለዉ 606 ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ናይ ምዝገባን ምጽራይን መስርሕ ንኸካዪዱ ንሓያሎ መዓልታት ክጽበዩ ከምዝኽእሉ ትካላት ግብረሰናይ ሓቢሮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0