ስዊዘርላንድ ንኤርትራ እትህቦ ተክኒካዊ ሓገዝ ክትቅጽሎ ምዃና ኣፍሊጣ

ስዊዘርላንድ ንኤርትራ እትህቦ ተክኒካዊ ሓገዝ ክትቅጽሎ ምዃና ኣፍሊጣ

 

Radio Erena: 15 October 2017

 eri_embasy swiss

ስዊዘርላንድ ንኤርትራ እትህቦ ተክኒካዊ ሓገዝ ንዓሰርተ ዓመታት ኣቋሪጻቶ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ዳግማይ ክትቅጽሎ ምዃና ኣፍሊጣ።

ኣብ ከተማ ዙሪክ እትሕተም ጋዜጣ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ካብ መጀመርያ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚራ ስዊዘርላንድ ኣብ ኤርትራ ሞያዊ ስልጠናታት ክትህብ ጀሚራ ከምዘላ ኣፍሊጣ።

ቅድሚ ኣስታት ሓደ ዓመት፣ ፈደራላዊ ቆንስል ስዊዘርላንድ፣ ምስ ኤርትራ ኣብ ልምዓታዊ ምዕባለ ዘተኮረ ምትሕግጋዝ ክግበር ውሳኔ ድሕሪ ምሕላፉ’ዩ፣ እዚ ሞያዊ ስልጠና ክወሃብ ጀሚሩ ዘሎ።

ኣብ ጋዜጣታት ስዊዘርላንድ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፣ እቲ ስልጠና ኣብ ባጽዕን ካልእ ዝተፈላለየ ዞባታት ኤርትራን ዝካየድ ኮይኑ፣ ንዓመት ከባቢ ሓደ ሚልዮን ዶላር ባጀት ተሰሊዑሉ ኣሎ።

ዕላማ’ዚ ስዊዘርላንድ ኣብ ኤርትራ ተካዪዶ ዘላ ናይ ሞያዊ ስልጠና ወፍሪ፣ መንእሰያት ኣብ ሃገሮም ናይ ስራሕ ዕድል ንክረኽቡ ብምሕጋዝ ንዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምግታእ ዝብል ምዃኑ፣ ፈደራላዊ ቆንስል ስዊዘርላንድ ይገልጽ።

ከም ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ሰበስልጣን ስዊዘርላንድ’ውን ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ካብ ፖለቲካ ብምንጻል ቁጠባዊ መልክዕ ከትሕዝዎ እዮም ዝረኣዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0