ኤርትራውያን ዝርከብዎም 10ታት ኣሽሓት ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ዝጀመርዎ ሰለማዊ ሰልፊ ንራብዓይ መዓልቱ ቀጺሉ

ኤርትራውያን ዝርከብዎም 10ታት ኣሽሓት ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ዝጀመርዎ ሰለማዊ ሰልፊ ንራብዓይ መዓልቱ ቀጺሉ

Radio Erena: January 10, 2014

 

eri Israaaa

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ነቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ሰለማዊ ሰልፊ ንምድጋፍ፣ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝርከቡ ወገናቶም ኣብ ኤምባሲታት ኤስራኤል ተመሳሳሊ ሰለማዊ ሰልፍታት ክውድቡ ተማሕጺኖም።

እቶም ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ኤርትራውያን፣ ነቲ ቅድሚ ሳልስቲ ስራሕ ደው ብምባል ዝጀመርዎ ሰለማዊ ሰልፊ ናብ ራብዓይ መዓልቱ ተሰጋጊሩ ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ኣብዚ ትማሊ ዝተኻየደ ሰልፊ’ውን ካብቲ ኣብ ናይ መጀመራይ መዓልታት ዘውሕድ ህዝቢ ከምዝተረኽበ ገሊጾም።

 

እቲ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ሱዳናውያንን ዝርከብዎም ኣስታት 40 ሽሕ ስደተኛታት ዘካይድዎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ነቲ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝኽተሎ ዘሎ ኢሰብኣዊ ፖሊሲታት ንምኹናን’ዩ።

እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ሓያሎ ኤምባሲታት ሃገራት ምዕራብ ሰለማዊ ሰልፊ ድሕሪ ምክያዶም፣ ኣብ ዮርሳሌም’ውን ኣብ ቀጽሪ ፓርላማ እታ ሃገር ማልት ክነስት’ውን ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

እንተኾነ ፓርላማ እስራኤል ንጉዳይ እቶም ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዝነበሩ ኤርትራውያን ዝበዝሕዎም ስደተኛታት ጸማም እዝኒ’ዩ ሂብዎ።

==============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0