ኤርትራውያን ዝርከብዎም ወከልቲ ስደተኛታት ምስ ፓርላማ እስራኤል ተራኺቦም

ኤርትራውያን ዝርከብዎም ወከልቲ ስደተኛታት ምስ ፓርላማ እስራኤል ተራኺቦም

Radio Erena: January 17, 2014

 

eri kineset

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ወከልቲ ስደተኛታት፣ ብዛዕባ ጉዳዮም ብዝምልከት ኣብ ቅድሚ ፓርላማ እታ ሃገር ማለት ክነሰት ሓሳባቶም ከምዘቕረቡ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ዮርሳሌም ኣብ ዝርከብ ፓርላማ እታ ሃገር ከይኣትዉ ተኸልኪሎም ድሕሪ ምጽናሕዮም፣ ብሮቡዕ 15 ጥሪ ኣብ ቅድሚ እቲ ፓርላማ ሓሳባቶም ከቕርቡ ዝተፈቕደሎም።

 

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ 10ታት ኣሽሓት ስደተኛታት ስራሕ ደው ብምምባል ንራብዕቲ ዘካየድዎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ኣብታ ሃገር ዓቢ ጽልዋ ፈቲሩ ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።

እቲ ኣብ መንጎ ወከልቲ ስደተኛታትን ፓርላማ እስራኤልን ዝተኻየደ ርክብ’ውን ኣብዚ መዳይ እዚ ዘተኮረ ምንባሩ ይሕበር።

ጎኒ ጎኒ’ቲ ወከልቲ ስደተኛታት ኣብ ዮርሳሌም ኣብ ፓርላማ ዘቕረብዎ ሓሳባት፣ መብዛሕተን ኤርትራውያን ዝርከብአን ኣሽሓት ደቂንስትዮን ቆልዑን’ውን ኣብ ከተማ ተልኣቪብ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ከምዘካየዳ ተፈሊጡ።

ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝርከቡ ኤርትራውያን’ውን ነቲ ወገናቶም ኣብ እስራኤል ዘካይድዎ ዘለዉ ሰልፍታት ብምድጋፍ፣ ን22 ጥሪ ኣብ ኤምባሲታት እስራኤል ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ይውድቡ ምህላዉ በብእዋኑ ዝበጽሓና ዘሎ ሓበሬታታት የረጋግጽ።
=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0