ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 800 ስደተኛታት ካብ ናይ ባሕሪ ሓደጋ ድሒኖም

ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 800 ስደተኛታት ካብ ናይ ባሕሪ ሓደጋ ድሒኖም

Radio Erena: 25 Novemeber 2014

800 migr

ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 800 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ እጣልያን ቖጵሮስን ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ድሒኖም።

ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ እብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ልዕሊ ኣስታት 600 ስደተኛታት ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ከድሕን እንከሎ ሓንቲ ናይ ስንጋፖር ናይ ንግዲ መርከብ’ውን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ዝነበሩ78 ስደተኛታት ድሕሪ ምድሓን ንሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ኣረኪባ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ፣ ዋንነታ ዘይተገልጸ ናይ ንግዲ መርከብ ንዘድሓነቶም 93 ስደተኛታት ከምዝተረከበ ሮይተርስ ኣብ ናይ ትማሊ ጸብጻቡ ጠቒሱ።

 

መንግስቲ ቖጵሮስ ብወገኑ ብምሉኦም ሶርያውያን ዝኾኑ ኣስታት 200 ስደተኛታት ካብ ባሕሪ ከምዘድሓነ ኣፍሊጡ።

እቶም ስደተኛታት ብምሉኦም ብመንገዲ ኢጣልያ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምእታው ዝሓለኑ ምንባሮም’ውን ገሊጹ።

ኢጣልያ፣ ድሕሪ’ቲ 360 ኤርትራውያን ግዳይ ዝገበረ ዓሚ ዘጋጠመ ሓደጋ ላምፔዱሳ ዝጀመረቶ ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ናይ ምድሓን ስርሒት – ማረ ኖስትሮም፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ደው ከምዘበለቶ ብወግዒ እኳ እንተገለጸት፣ ኣብ ውሽጢ’ዚ ወርሒ ኣስታት 1500 ስደተኛታት ከተድሕን ግና ክኢላ ኣላ።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0