ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 7 ሽሕ ስደተኛታት ተኣኻኺቦምሉ ዘለዉ ካሌ ካብ ሎሚ ክዓኑ’ዩ

Radio Erena: 24 October 2016

Calais

ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 7 ሽሕ ስደተኛታት ተኣኻኺቦምሉ ዘለዉ ካሌ፣ ካብ ሎሚ 24 ጥቅምቲ ጀሚሩ ይዓኑ ኣሎ።

እቲ ብጁንግል ወይ ጣሻ ዝፍለጥ፣ ናብ ብሪጣንያን ንምስጋር ዝሓለኑ ስደተኛታት ዝተኣኻኸብሉ ካሌ ቅድሚ ምዕናዩ፣ ኣብታ ሃገር ስድራቤታት ንዘለዎም ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ቆልዑ ናይ ምግዓዞም መስርሕ’ዩ ክጻረ ጸኒሑ።

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ንካሌ ንምዕንንንናዊ ክልተ እዋናት ስጉምታት እኳ እንተወሰደ፣ እቶም ስደተኛታት ካብ ካሌ ርሑቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢታት ግራንድ ሳንት ዳንኬኽን ዳግም ክትኣኻኸቡ ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብ መንጎ መንግስታት ብሪጣንያን ፈረንሳን ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት፣ ብሪጣንያ ምስ ፈረንሳ ዘዋስና ከባቢታት ካሌ ብጽኑዕ ክትዓጹ፣ ፈረንሳ ከኣ ስደተኛታት ንዝተኣኻኸብሉ ቴንዳታት ከተዕኑ ዝብል’ዩ።

ብመሰረት’ቲ ስምምዕ፣ ንብሪጣንያን ወደብ ካሌ ብመካይንን ባቡርን ዘራኽብ መንገድታት ብሪጣንያ ብእትሽፍኖ ወጻኢታት ናይ መንደቕን ትሪኮላታን ሓጹር ይህነጸሉ ምህላዉ ይፍለጥ።

ፖሊስን ፍሉያት ሓይልታት ጸጥታ ፈረንሳን ከኣ ካብ ሎሚ ጀሚሮም፣ ስደተኛታት ንዝነብርሉ ናይ ቴንዳ ገዛውቲ ብምዕናው ነቶም ስደተኛታት ብግዴታ ካብቲ ቦታ ክኣልይዎም’ዮም።

መንገስቲ ፈረንሳ፣ ንካሌ ቅድሚ ምዕናው ከም ዜጋታት ኤርትራ ዝኣመሰሉ ስደተኛታት ኣብ ፈረንሳ ምሉእ ናይ ፖለቲካዊ ዑቕባ መሰል ከምዘለዎም ብምሕባር፣ ኣብ ፈረንሳ ዑቕባ ክሓቱ ዝጽውዕ ጎስጓስ ኣብ ካሌ ከካይድ ቀንዩ’ዩ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0